ሆሴእ 10:1-15

  • እስራኤል፡ እቲ ብልሹው ተኽሊ ወይኒ፡ ኪጠፍእ እዩ (1-15)

    • ምዝራእን ምዕጻድን (12, 13)

10  “እስራኤል ፍሪኡ ዚፈሪ ብልሹው* ተኽሊ ወይኒ እዩ።+ ፍሪኡ ብዝበዝሐ መጠን፡ መሰውኢታቱ የብዝሕ፣+ምድሩ ዝጸበቐ ብዘፍረየት መጠን፡ ሓወልትታት ኣምልኾኡ የጸብቕ።+   ልቦም ግቡዝ* እዩ፣ሕጂ ገበነኛታት ኰይኖም ኪርከቡ እዮም። ንመሰውኢታቶም ዚሰባብሮ፡ ንሓወልትታቶም ከኣ ዜጥፍኦ ኣሎ።   ሕጂ፡ ‘ንየሆዋ ኣይፈራህናዮን እሞ፡ ንጉስ የብልናን።+ ንጉስከ እንታይ ኪገብረና ይኽእል፧’ ኪብሉ እዮም።   ባዶ ቓላት ይዛረቡ፡ ብሓሶት ይምሕሉ፡+ ኪዳን ድማ ይኣትዉ፣ስለዚ፡ እቲ ዚወጽእ ፍርዲ ኸምቲ ኣብ ነግሕታት ግራት ዘሎ መርዛም ጻህያይ እዩ።+   ነበርቲ ሰማርያ ንጣኦት ምራኽ ቤት-ኣዌን ኪፈርህዎ እዮም።+ ካባታቶም ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ እሞ፡ህዝቡ ብእኡ ኺሓዝኑ እዮም፣ብእኡን ብኽብሩን እተሓጐሱ ኻህናት ጓኖት ኣማልኽቱ እውን ከምኡ።   ንዓብዪ ንጉስ ህያብ ኪኸውን ናብ ኣሶር ኪውሰድ እዩ።+ ኤፍሬም ኪሓፍር እዩ፣እስራኤል ከኣ በቲ ዝሰዓቦ ምኽሩ ኺሓንኽ እዩ።+   ቈጫዕ ከም ዝበለ ውልዶ ኣብ ገጽ ማያት፡ሰማርያ ምስ ንጉሳ ብርግጽ ክትጠፍእ* እያ።+   በረኽቲ ቤት-ኣዌን፡+ ሓጢኣት እስራኤል፡+ ኪጠፍእ እዩ።+ እሾዅን ተዀርባን ኣብ መሰውኢታቶም ኪበቍል እዩ።+ ንኣኽራን፡ ‘ክደኑና!’+ ንዅርባታት እውን፡ ‘ኣብ ልዕሌና ውደቑ!’ ኺብልዎም እዮም።   ኣታ እስራኤል፡ ካብ መዓልትታት ጊብዓ ኣትሒዝካ ሓጢእካ ኢኻ።+ ንሳቶም ከኣ ኣብኡ ጸኒዖም። ነቶም ደቂ ዓመጻ ኣብ ጊብዓ ውግእ ኣየርከቦምን።* 10  ባህ ምስ በለኒ፡ ኣነ እውን ክግስጾም እየ። ክልተ ስሕተቶም ምስ ተጻዕኖም ከኣ፡*ህዝብታት ኣንጻሮም ኪእከቡ እዮም። 11  ኤፍሬም መኼዳ እትፈቱ ዝለመደት ኣርሒ እዩ፣ስለዚ፡ ነቲ ጽቡቕ ክሳዳ ንሒፈዮ። ሕጂ ንኤፍሬም ዚውጥሖ* ኽገብረሉ እየ።+ ይሁዳ ኺሓርስ፡ ያእቆብ እውን ድንኵል ኪሰብር እዩ። 12  ንዓኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ድማ ዕጸዱ። ንየሆዋ እትደልዩሉ ግዜ ኸሎ፡+ክሳዕ ዚመጽእን ጽድቂ ኽሳዕ ዚምህረኩምን፡+ንዓኻትኩም ዚሕረስ ምድሪ ሕረሱ።+ 13  ግናኸ፡ ብመገድኻ፡ብብዝሒ ጀጋኑኻ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡እከይ ሓሪስኩም፡ዓመጻ ዓጺድኩም፡+ፍረ ምትላል እውን በሊዕኩም ኣለኹም። 14  ከምቲ ሰልመን ንቤት ኣርብኤል ኬጥፍኣ ኸሎ፡በታ መዓልቲ ውግእ ኣዴታት ምስ ደቀን እተሓምሸሻ፡ኣንጻር ህዝብኻ ያዕያዕታ ኺልዓል፡እተን እተዓርዳ ኸተማታትካ ኸኣ ኪጠፍኣ እየን።+ 15  ኣቱም ቤት-ኤል፡ ብሰሪ ሕሰም እከይኩም ከምኡ ኽትግበሩ ኢኹም።+ ምስ ወግሐ፡ ንጉስ እስራኤል ብርግጽ ኪቕተል* እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዚዝርጋሕ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “መንደልሃጺ፣ ልዙብ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ከም እትብል ክትግበር።”
ወይ፡ “ጠሪሱ ኣየጥፍኦምን።”
ማለት፡ መቕጻዕቶም ከም ኣርዑት ምስ ጾሩ።
ወይ፡ “ዚጽዕኖ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ከም ዚብል ኪግበር።”