ሆሴእ 11:1-12

  • ኣምላኽ ንእስራኤል ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ኣፍቀሮ (1-12)

    • “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዊዐዮ” (1)

11  “ንእስራኤል ቈልዓ ኸሎ፡ ኣፍቂረዮ፣+ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዊዐዮ።+  2  ንሳቶም* ብዝያዳ ብዝጸውዕዎም መጠን፡ካባታቶም ብዝያዳ ርሒቖም።+ ንምስልታት በዓል ሰዊኦም፣+ንቕሩጽ ምስልታት ከኣ መስዋእቲ ኣቕሪቦም።+  3  ግናኸ፡ ንኤፍሬም ዘታተኽዎ ኣነ እየ፣+ ብቕልጽመይ እውን ሓቚፈዮም፣+ከም ዘሕወኽዎም ድማ ኣይፈለጡን።  4  ብኣግማድ ሰብ፡* ብድባራታት ፍቕሪ ስሒበዮም፣+ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኰይነዮም፣ብልእመት እውን ንነፍሲ ወከፍ ብልዒ ኣቕሪበ።  5  ናብ ምድሪ ግብጺ ኣይኪምለሱን እዮም፣ናባይ ምምላስ ስለ ዝኣበዩ ግና፡+ ኣሶር ንጉሶም ኪኸውን እዩ።+  6  ሰይፊ ኣንጻር ከተማታቱ ኽትወናጨፍ፡+ንተገዳማቱ ኸተጥፍእ፡ ብሰንኪ ተንኰሎም ከኣ ክትውሕጦም እያ።+  7  ህዝበይ ኪጠልሙኒ ኣንቂዶም እዮም።+ ናብ ላዕሊ* እኳ እንተ ጸውዕዎም፡ ሓደ እኳ ዚትንስእ የልቦን።  8  ኣታ ኤፍሬም፡ ከመይ ገይረ እየ እሞ ዝሓድገካ፧+ ኣታ እስራኤል፡ ከመይ ገይረ እየ እሞ ኣሕሊፈ ዝህበካ፧ ከመይ ገይረ እየ እሞ ኸም ኣድማ ዝገብረካ፧ ከመይ ገይረኸ እየ ኸም ጸቦኢም ዝገብረካ፧+ ልበይ ተለዊጡ እዩ፣ርሕራሐይ እውን ተለዓዒሉ* እዩ።+  9  ዚነድድ ቍጥዓይ ኣይከውጽኦን እየ። ንኤፍሬም ደጊም ኣይከጥፍኦን እየ፣+ኣነስ ኣምላኽ እየ፡ ሰብ ድማ ኣይኰንኩን፣ኣብ ማእከልካ ኸኣ እቲ ቕዱስ እየ፣ብነድሪ እውን ኣይክመጸካን እየ። 10  ንሳቶም ደድሕሪ የሆዋ ኪኸዱ እዮም፣ ንሱ እውን ከም ኣንበሳ ኺጓዝም እዩ፣+ምስ ጓዘመ፡ ደቁ ራዕራዕ እናበሉ ኻብ ምዕራብ ኪመጹ እዮም።+ 11  ካብ ግብጺ ኺመጹ ኸለዉ፡ ከም ዑፍ፡ካብ ምድሪ ኣሶር ከም ዝወጸት ርግቢ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፣+ኣብ ኣባይቶም ድማ ከስፍሮም እየ” ይብል የሆዋ።+ 12  “ኤፍሬም ብሓሶት፡ቤት እስራኤል ከኣ ብምትላል ከቢቦምኒ ኣለዉ።+ ይሁዳ ግና ገና ምስ ኣምላኽ ይመላለስ ኣሎ፣ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ ድማ እሙን እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ንእስራኤል ንምምሃር እተላእኩ ነብያትን ካልኦትን።
ወይ፡ “ኣግማድ ለውሃት፡” ከም ናይ ወላዲ ዝበለ።
ማለት፡ ናብ ዝለዓለ ዓይነት ኣምልኾ።
ቃ.ቃ.፡ “ረሲኑ።”