ሆሴእ 13:1-16

  • ኤፍሬም ንየሆዋ ረሲዑ ንጣኦታት ኣምለኸ (1-16)

    • “ኣታ ሞት፡ መንደፍካ ኣበይ ኣሎ፧” (14)

13  “ኤፍሬም ምስ ዚዛረብ፡ ራዕራዕታ ይኸውን ነይሩ፣ኣብ እስራኤል ምርኡይ ነይሩ።+ ግናኸ፡ ምስ በዓል ብእተተሓሓዘ በዲሉስ+ ሞይቱ።  2  ሕጂ ድማ ንሓጢኣቶም ይውስኹሉ፡ካብ ብሩሮም ፍሱስ ምስልታት ይገብሩ ኣለዉ፣+ብብልሓት ጣኦታት ይገብሩ፣ ኵሎም ግብሪ ኢደ ጥበበኛታት እዮም። ንዓታቶም፡ ‘እቶም መስዋእቲ ዚስውኡ ሰባት ነቶም ምራኹት ይሳለምዎም’ ይብልዎም።+  3  ስለዚ፡ ንሳቶም ከም ደበናታት ንግሆ፡ከምቲ ብንግሆኡ ዚጠፍእ ኣውሊ፡ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብህቦብላ ዚብተን ብቝቡቝ፡ከምቲ ኣብ ናሕሲ ብዚርከብ ነዃል ዚወጽእ ትኪ እዮም።  4  ኣነ ግና ካብ ምድሪ ግብጺ ኣትሒዘ የሆዋ ኣምላኽካ እየ፣+ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይፈለጥካን፣ብዘይካይ እውን ካልእ መድሓኒ የልቦን።+  5  ኣነ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ምድሪ ደርቂ ፈሊጠካ።+  6  ንሳቶም ብመጓሰዪታቶም ጸጊቦም፣+ጸጊቦም ድማ ልቦም ተዓብዩ። ስለዚ፡ ረሲዖምኒ።+  7  ኣነ ኸም ዘይባጽሐ ኣንበሳ፡+ኣብ ጥቓ መገዲ ኸም ዜድቢ ነብሪ ክዀኖም እየ።  8  ኰራዅራ ኸም ዝጠፍእዋ ድቢ ዀይነ ኽጐብጦም፡ደረቶም* ከኣ ክትርትሮ እየ። ከም ኣንበሳ ኽበልዖም እየ፣ኣራዊት መሮር ድማ ኪሰላልዖም እዩ።  9  ኣታ እስራኤል፡ ኣንጻረይ፡ ኣንጻር ረዳኢኻ ስለ ዝዀንካ፡ንሱ ኼጥፍኣካ እዩ። 10  ኣብ ኵለን ከተማታትካ ኼድሕነካስ ንጉስካ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧+ እቶም ‘ንጉስን መሳፍንትን ሃበና’+ዝበልካሎም ገዛእትኻኸ* ኣበይ ኣለዉ፧ 11  ብቝጥዓይ ንጉስ ሂበካ፣+ብነድረይ ከኣ ክወስዶ እየ።+ 12  ስሕተት ኤፍሬም ተጠቕሊሉ፡*ሓጢኣቱ ተዓቚሩ ኣሎ። 13  ቅልውላው ሕርሲ ኺመጾ እዩ። ንሱ ግና ዘይለባም ውሉድ እዩ፣ግዜ ሕርሲ ምስ ኣኸለ፡ ኪውለድ ኣይቀርብን። 14  ካብ ሓይሊ መቓብር* ክብጀዎም እየ፣ካብ ሞት ክመልሶም እየ።+ ኣታ ሞት፡ መንደፍካ ኣበይ ኣሎ፧+ ኣታ መቓብር፡ መጥፍኢ ምዃንካ ኣበይ ኣሎ፧+ ርሕራሐ ኻብ ኣዒንተይ ክትሕባእ እያ። 15  ኣብ መንጎ ሻምብቆታት እኳ እንተ ለምዐ፡ንፋስ ምብራቕ፡ ንፋስ የሆዋ ኺመጽእ፡ዒላኡ ኼንቅጽን ዓይኒ ማዩ ኼንጽፍን ካብ ምድረ በዳ ኺመጽእ እዩ። ንሱ መዝገብ ኵሉ ኽቡር ነገራቱ ኺዘምት እዩ።+ 16  ሰማርያ ኻብ ኣምላኻ ዓልያ እያ እሞ፡+ ብበደላ ተሓታቲት ክትከውን እያ።+ ብሰይፊ ኺወድቁ፡+ደቆም ከኣ ኪሕምሸሹ እዮም፣ጥኑሳቶም ድማ ኪቕደዳ እየን።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መሸፈኒ ልቦም።”
ቃ.ቃ.፡ “ፈራዶኻኸ።”
ወይ፡ “ተዓቂቡ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።