ሆሴእ 14:1-9

  • ናብ የሆዋ ኺምለሱ ዝቐረበ ምሕጽንታ (1-3)

    • ውዳሰ ኸናፍር ምቕራብ (2)

  • ጥልመት እስራኤል ምሕዋይ (4-9)

14  “ኣታ እስራኤል፡ ብስሕተትካ ተዓንቂፍካ ኢኻ እሞ፡ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ተመለስ።+   ናብ የሆዋ በዚ ቓላት እዚ ተመለሱ፣ከምዚ እውን በልዎ፦ ‘ስሕተትና ሕደገልና፡+ ሰናይ ከኣ ተቐበል፣ንሕና እውን ውዳሰ ኸናፍርና+ ኸም ዝራብዓት ጌርና ኸነቕርብ* ኢና።   ኣሶር ኣይኬድሕነናን እዩ።+ ኣብ ኣፍራስና ኣይክንውጣሕን ኢና፣+ድሕርዚ ድማ፡ ንግብሪ ኣእዳውና፡ “ኦ ኣምላኽና!” ኣይክንብልን ኢና፣ዘኽታም ምሕረት ዝረኸበስ ብኣኻ እዩ።’+   ጥልመቶም ከሕዊ እየ።+ ቍጥዓይ ካባታቶም ስለ እተመልሰ፡+ብፍታወይ ከፍቅሮም እየ።+   ንእስራኤል ከም ኣውሊ ክዀኖ እየ፣ከም ዕምባባ ሹሻን ኪዕምብብ፡ከም ኣእዋም ሊባኖስ ድማ ሰራውሩ ኺሰድድ እዩ።   ውልዶታቱ ኺዝርጋሕ፡ግርማኡ ኸም ኦም ኣውልዕ ኪኸውን፡መዓዛኡ ኸም ናይ ሊባኖስ ኪኸውን እዩ።   ከም ብሓድሽ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ኪቕመጡ እዮም። እኽሊ ኼብቍሉ፡ ከም ተኽሊ ወይኒ ድማ ኪጥጥዑ እዮም።+ ዝናኡ* ኸም ወይኒ ሊባኖስ ኪኸውን እዩ።   ኤፍሬም ከኣ፡ ‘ደጊምከ ምስ ጣኦታት እንታይ ዝገብሮ ኣሎኒ፧’ ኪብል እዩ።+ ኣነ ድማ ክምልስን ክሕልዎን እየ።+ ከም ልሙዕ ኦም ጽሕዲ* ክኸውን እየ። ካባይ ፍረኻ ኺርከብ እዩ።”   ጥበበኛ መን እዩ፧ ነዚ ይረድኣዮ። ኣስተውዓሊ መን እዩ፧ ነዚ ይፍለጦ። መገድታት የሆዋስ ቅኑዕ እዩ፣+ጻድቃን ከኣ ብእኡ ኺመላለሱ እዮም፣ኣበስቲ ግና ብእኡ ኺዕንቀፉ እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ዝራብዓት ከናፍርና ኸም ምላሽ ከነቕርብ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዘከርታኡ።”
ወይ፡ “ተርሚን።”