ሆሴእ 6:1-11

  • ናብ የሆዋ ኺምለሱ ዝቐረበ ጻውዒት (1-3)

  • ብተኣማንነት ዜርእይዎ ፍቕሪ ሓላፊ ዀነ (4-6)

    • ካብ መስዋእቲ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ይሓይሽ (6)

  • ዜሕፍር ተግባር እቲ ህዝቢ (7-11)

6  “ንሱ ሰላሊዑና፡+ ግናኸ ኼሕውየና እዩ፡ንሱ ወቒዑና፡ ግናኸ ንኣቝሳልና ኺዝንን እዩ እሞ፡ንዑናይ ናብ የሆዋ ንመለስ።  2  ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኬተንስኣና እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ክንነብር ኢና።  3  ንየሆዋ ኽንፈልጦ፡ ንምፍላጡ ተሃንጢና ኽንደልዮ ኢና። ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፣ከም ዝናም፡ከምቲ ንምድሪ ዜርዊ ዝናም ጽብሓት ኪመጸና እዩ።”  4  “ኣታ ኤፍሬም፡ እንታይ ክገብረካ እየ፧ ኣታ ይሁዳ፡ እንታይ ክገብረካ እየ፧ ብተኣማንነት እተርእይዎ ፍቕርኹምሲ ኸም ደበናታት ንግሆ፡ከምቲ ቐልጢፉ ዚጠፍእ ኣውሊ እዩ።  5  ስለዚ፡ ብነብያት ክቘርጾም፡+ብቓላት ኣፈይ እውን ክቐትሎም እየ።+ ፍርድታትካ ድማ ከም ብርሃን ኪበርህ እዩ።+  6  ከመይሲ፡ ብመስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ፡*ብምሉኡ ብዚሓርር መስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ብፍልጠት ኣምላኽ እዩ ደስ ዚብለኒ።+  7  ንሳቶም ግና፡ ከም ሰብ፡ ኪዳን ጥሒሶም እዮም።+ ኣብኡ ጠሊሞምኒ እዮም።  8  ጊልዓድ ብኣሰራት ደም እተኸድነት+ከተማ ገበርቲ እከይ እያ።+  9  እቶም ጕጅለ ኻህናት ከም ዘመትቲ ጭፍራታት ንሰብ የድብዩሉ። ተግባሮም ዜሕፍር እዩ እሞ፡ኣብ መገዲ ሴኬም ይቐትሉ።+ 10  ኣብ ቤት እስራኤል ዜሰክሕ ነገር ርእየ ኣለኹ። ኣብኡ ኤፍሬም ይምንዝር፣+እስራኤል ከኣ ረኺሱ ኣሎ።+ 11  ንምሩኻት ህዝበይ ምስ መለስክዎም፡ኣታ ይሁዳ፡ ንዓኻ እውን ቀውዒ ተዳልዩልካ ኣሎ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብምሕረት።”