ሆሴእ 7:1-16

  • እከይ ኤፍሬም ተገልጸ (1-16)

    • ካብ መርበብ ኣምላኽ ዜምልጥ የልቦን (12)

7  “ንእስራኤል ኣብ ዘሕውየሉ ግዜ፡ስሕተት ኤፍሬምን+እከይ ሰማርያን እውን ተገሊጹ።+ ንሳቶምሲ የታልሉ እዮም፣+ሰረቕቲ ይኣትዉ፡ ዘመትቲ ጭፍራታት ከኣ ኣብ ወጻኢ ይወርሩ።+   ኣነ ንዅሉ እከዮም ከም ዝዝክሮ ግና ብልቦም ኣይብሉን።+ ሕጂ ግብርታቶም ኣብ ዙርያኦም ኣሎ፣ኣብ ቅድሚ ገጸይ ከኣ ኣሎ።   ንንጉስ ብእከዮም፡ንመሳፍንቲ ብምትላሎም የሐጕሱ።   ኵላቶም ዘመውቲ፡ከምቲ ሰንካቲ፡ ሓዊ ዝኣጐደሉ እቶን ዝረሰኑ እዮም፣ንሱ ድማ ብሑቝ ምስ ለወሰ ኽሳዕ ዚበኵዕ ነቲ ሓዊ ምቝስቋሱ ይሓድጎ።   ብመዓልቲ ንጉስና፡ መሳፍንቲ ሓሚሞም ኣለዉ፣—ብሰሪ ወይኒ ነዲሮም ኣለዉ።+ ንሱ ድማ ኢዱ ናብ መላገጽቲ ዘርጊሑ ኣሎ።   ንሳቶምሲ ልቦም ከም እቶን እናነደደ ይቐርቡ።* ምሉእ ለይቲ ሰንካቲ ይድቅስ፣ንግሆ ድማ እቲ እቶን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ይነድድ።   ኵላቶም ከም እቶን ዝረሰኑ እዮም፣ንገዛእቶም* ከኣ ይውሕጥዎም። ኵሎም ነገስታቶም ወዲቖም ኣለዉ፣+ካባታቶም ሓደ እኳ ዚጽውዓኒ የልቦን።+   ኤፍሬም ምስ ኣህዛብ ይጽምበር።+ ኤፍሬም ከም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ።   ካልኦት ንሓይሉ በሊዖምዎ፣+ ንሱ ግና ኣይፈለጦን። ሽበት መልኦ፣ ንሱ ግና ኣየስተብሃሎን። 10  ትምክሕቲ እስራኤል ኣንጻሩ መስኪሩ ኣሎ፣+ንሳቶም ግና ናብ የሆዋ ኣምላኾም ኣይተመልሱን፣+እዚ ዅሉ ዀይኑ ኽነሱ እውን ንዕኡ ኣይደለይዎን። 11  ኤፍሬም ከም ልቢ ዘይብላ ዓሻ ርግቢ እዩ።+ ንሳቶም ንግብጺ ጸዊዖም፣+ ናብ ኣሶር ድማ ከይዶም።+ 12  ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊኦም መርበበይ ክዝርግሕ፡ከም ኣዕዋፍ ሰማያት ከውርዶም፡ከምቲ ንኣኼባኦም እተነግረ መጠንቀቕታ ድማ ክግስጾም እየ።+ 13  ካባይ ሃዲሞም እዮም እሞ፡ ወይለኦም! በዲሎምኒ እዮም እሞ፡ ይጥፍኡ! ኣነስ ክብጀዎም ተዳልየ ነይረ፣ ንሳቶም ግና ሓሶት ተዛሪቦምለይ።+ 14  ኣብ ዓራቶም ኰይኖም ዋይዋይ ይብሉ እኳ እንተ ኣለዉ፡ካብ ልቦም ናባይ ኣይተማህለሉን።+ ብሰንኪ እኽሎምን ጕዕሽ ወይኖምን ገዛእ ርእሶም ይበጥሑ ኣለዉ፣ኣንጻረይ ኰይኖም ኣለዉ። 15  ዋላ እኳ እንተ ገሰጽክዎምን ቀላጽሞም እንተ ኣበርታዕኩን፡እከይ ብምሕሳብ፡ ኣንጻረይ ኰይኖም ኣለዉ። 16  መገዲ ለዊጦም፣ ግናኸ ናብ ዝለዓለ* ኣይኰነን፣ከም ዝዘለቐ ቐስቲ ዘየተኣማምኑ ዀይኖም እዮም።+ መሳፍንቶም ብሰንኪ ዚዳፈር ልሳኖም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። በዚ ኸኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ መላገጺ ኪዀኑ እዮም።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብተንኰሎም ኪቐርቡ ኸለዉስ፡ ልቦም ከም እቶን እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ንፈራዶኦም።”
ማለት፡ ናብ ዝለዓለ ኣምልኾ።