ሆሴእ 8:1-14

  • ሳዕቤናት ኣምልኾ ጣኦት ምዕጻድ (1-14)

    • ንፋስ ይዘርኡ፡ ህቦብላ ይዓጽዱ (7)

    • እስራኤል ንገባሪኡ ረሲዕዎ (14)

8  “መለኸት ኣብ ኣፍካ ግበር!+ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፡+ ሕገይ እውን ጥሒሶም እዮም እሞ፡+ጸላኢ ኸም ንስሪ ኣንጻር ቤት የሆዋ ይመጽእ ኣሎ።+   ንሳቶም፡ ‘ኣምላኸይ፡ ንሕና እስራኤል ንፈልጠካ ኢና!’ ኢሎም ናባይ የእውዩ ኣለዉ።+   እስራኤል ንጽቡቕ ደርብይዎ ኣሎ።+ ጸላኢ ይስጐጎ።   ነገስታት ኣንጊሶም ኣለዉ፣ ብኣይ ግና ኣይኰነን። መሳፍንቲ ሸይሞም ኣለዉ፣ ኣነ ግና ኣይፈልጦምን እየ። ንጥፍኣቶምሲ+ ብብሩሮምን ብወርቆምንጣኦታት ገይሮም ኣለዉ።+   ኣታ ሰማርያ፡ ምራኽካ ተደርብዩ እዩ።+ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ነዲዱ እዩ።+ ክሳዕ መዓስ እዮም ንጹሃት ኪዀኑ ዘይክእሉ፧   እዝስ ካብ እስራኤል እዩ። ኢደ ጥበበኛ እዩ ገይርዎ፣ ኣምላኽ ከኣ ኣይኰነን። ምራኽ ሰማርያ ፍንጭልጫል ኪኸውን እዩ።   ከመይሲ፡ ንፋስ ይዘርኡ ኣለዉ፣ህቦብላ ድማ ኪዓጽዱ እዮም።+ ብሱል* እኽሊ ዜፍሪ ብርዒ የልቦን፣+ዚበቍል ዘበለ ኸኣ ሓርጭ ኣየፍርን እዩ። እንተ ኣፍርዩ እውን፡ ጓኖት ኪውሕጥዎ እዮም።+   እስራኤል ኪውሓጥ እዩ።+ ሕጂ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡+ከም ዘይድለ ኣቕሓ ኪዀኑ እዮም።   በይኑ ኸም እተፈልየ ኣድጊ በረኻስ፡ ናብ ኣሶር ደዪቦም ኣለዉ።+ ኤፍሬም ኣፍቀርቲ ቘጺሩ ኣሎ።+ 10  ካብ መንጎ ኣህዛብ እኳ እንተ ቘጸርዎም፡ሕጂ ኣነ ኽእክቦም እየ፣ብሰሪ እቲ ንጉስን መሳፍንትን ዝጸዓንዎም ጾር ምስቓይ ኪጅምሩ እዮም።+ 11  ኤፍሬምሲ ንምሕጣእ መሰውኢታት ኣብዚሑ ኣሎ።+ ንምሕጣእ ዚኸውን መሰውኢታት ኣለዎ።+ 12  ብዙሕ ሕግታተይ* ጽሒፈሉ እየ፣ግናኸ፡ ከም ስግንጢር እዩ ተቘጺሩ።+ 13  ንመባአይ መስዋእቲ የቕርቡ፣ ነቲ ስጋ ኸኣ ይበልዕዎ፣የሆዋ ግና ብኣታቶም ባህ ኣይብሎን እዩ።+ ሕጂ ስሕተቶም ኪዝክር፡ ብሰሪ ሓጢኣቶም ድማ ኪቐጽዖም እዩ።+ ገጾም ናብ ግብጺ መሊሶም ኣለዉ።*+ 14  እስራኤል ንገባሪኡ ረሲዕዎ፡+ ኣብያተ መቕደስ ከኣ ሃኒጹ፣+ይሁዳ ድማ እተዓርዳ ኸተማታት ኣብዚሑ።+ ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ንሱ እውን ንግምብታቱ ኺበልዖ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ደው ዚብል።”
ወይ፡ “ትምህርተይ።”
ወይ፡ “ናብ ግብጺ ኺምለሱ እዮም” ኪኸውን ይኽእል።