ሆሴእ 9:1-17

  • ኤፍሬም ብሰንኪ ሓጢኣቱ ብኣምላኽ ኪድርበ እዩ (1-17)

    • ንዜሕፍር ኣምላኽ ርእሶም ወፈዩ (10)

9  “ኣታ እስራኤል፡ ኣይትተሓጐስ፣+ከም ህዝብታት ሕጉስ ኣይትኹን። ንስኻስ ብምንዝርና ኻብ ኣምላኽካ ርሒቕካ ኢኻ።+ ኣብ ኵሉ ዓውዲ እኽሊ ኸኣ ዓስቢ ኣመንዝራ ፈቲኻ ኢኻ።+   ዓውድን መጽመቝ ወይንን ግና ኣይኪምግቦምን እዩ፣ጕዕሽ ወይኒ እውን ኪጠልማ እዩ።+   ንሳቶም ኣብ ምድሪ የሆዋ ኣይኪቕመጡን እዮም፣+የግዳስ፡ ኤፍሬም ናብ ግብጺ ኺምለስ፡ኣብ ኣሶር ድማ ርኹስ ዘበለ ኺበልዕ እዩ።+   ደጊም ንየሆዋ መስዋእቲ ወይኒ ኣይኬፍስሱሉን እዮም፣+መስዋእቶም ባህ ኣይኬብሎን እዩ።+ ከም እንጌራ ሓዘን እዮም፣ኵሎም እቶም ዚበልዕዎ ኺረኽሱ እዮም። እንጌራኦምሲ ንዓታቶም* ጥራይ እዩ፣ናብ ቤት የሆዋ ድማ ኣይኪኣቱን እዩ።   ብመዓልቲ ምርኻብ፡*ብመዓልቲ በዓል የሆዋ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧   እንሆ፡ ንሳቶምሲ ብሰሪ ጥፍኣት ኪሃድሙ እዮም።+ ግብጺ ኽትእክቦም፡+ ሞፍ ድማ ክትቀብሮም እያ።+ ነቲ ኽቡር ነገራቶም ኣምዐ ኺወርሶ፡ኣብ ድንኳናቶም ከኣ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ኪኸውን እዩ።   መዓልትታት ምጽብጻብ ኪመጻ፡+መዓልትታት ሕነ ድማ ኪመጻ እየን፣እስራኤል እውን ኪፈልጦ እዩ። ነብያቶም ዓያሹ ኪዀኑ፡ ብመንፈስ ዚድረኽ ሰብ ከኣ ኪዓብድ እዩ፣ስሕተትካ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ኢኻ እትጽላእ።”   ሓላዊ+ ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ እዩ ነይሩ።+ ሕጂ ግና ኵሉ መገድታት ነብያቱ+ ኸም መጻወድያ ኣፈንጣሪ ዑፍ እዩ፣ኣብ ቤት ኣምላኹ ጽልኢ ኣሎ።   ከም ብመዓልትታት ጊብዓ፡ ናብ ጥፍኣት ኣመና ጥሒሎም ኣለዉ።+ ንሱ ስሕተቶም ኪዝክር፡ ሓጢኣቶም ከኣ ኪቐጽዕ እዩ።+ 10  “ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዚርከብ ወይኒ ረኺበዮ።+ ንኣቦታትኩም ኣብ ኦም በለስ ከም ዚርከብ መጀመርታ ቐዳማይ በለስ ርእየዮም። ንሳቶም ግና ናብ በዓል ጴዖር ከይዶም፣+ንዜሕፍር ነገር* ርእሶም ወፍዮም፣+ከምቲ ዜፍቅርዎ ኸኣ ጽዩፋት ኰይኖም። 11  ክብሪ ኤፍሬም ከም ዑፍ ይነፍር፣ሕርስን ድቅን ጥንስን የልቦን።+ 12  ቈልዑ እኳ እንተ ኣዕበዩ፡ሰብ ክሳዕ ዘይተርፍ ውሉድ ዘይብሎም ክገብሮም እየ፣+እወ፡ ኣነ ኻባታቶም ምስ ኣልገስኩ፡ ወይለኦም!+ 13  እቲ ኣብ መጓሰዪ እተተኽለ ኤፍሬም ንዓይ ከም ጢሮስ እዩ ነይሩ፣+ሕጂ፡ ኤፍሬም ንደቁ ኻብ ማሕረዲ ኼውጽኦም ኣለዎ።” 14  ኦ የሆዋ፡ እቲ እትህቦም ሃቦም፣ጥንሲ ዚኸዳ ማሕጸንን ዝነጸፋ* ኣጥባትን ሃቦም። 15  “ኣነ ኣብኡ እየ ጸሊአዮም እሞ፡ ኵሉ እከዮም ኣብ ጊልጋል እዩ።+ ብሰሪ ኽፉእ ግብርታቶም ካብ ቤተይ ክሰጕጎም እየ።+ ድሕርዚ ኣይከፍቅሮምን እየ፣+ኵሎም መሳፍንቶም ነቓጻት እዮም። 16  ኤፍሬም ኪውቃዕ እዩ።+ ሱሮም ኪነቅጽ፡ ፍረ እውን ኣይኬፍርዩን እዮም። ዋላ እኳ እንተ ወለዱ፡ ነቲ ተፈታዊ ፍረ ኸርሶም ክቐትሎ እየ።” 17  ኣይሰምዕዎን እሞ፡+ኣምላኸይ ኪድርብዮም እዩ፣ኣብ መንጎ ኣህዛብ ድማ ቀባሕብሖት ኪዀኑ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነፍሶም።”
ወይ፡ “በቲ ምዱብ ግዜ ድግስ።”
ወይ፡ “ንዜሕፍር ኣምላኽ።”
ወይ፡ “እተጨምደዳ።”