ሉቃስ 4:1-44

  • ድያብሎስ ንየሱስ ፈተኖ (1-13)

  • የሱስ ኣብ ገሊላ ኺሰብኽ ጀመረ (14, 15)

  • የሱስ ኣብ ናዝሬት ተቐባልነት ኣይረኸበን (16-30)

  • ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ እትርከብ ምኵራብ (31-37)

  • ሓማት ስምኦንን ካልኦትን ሓወዩ (38-41)

  • ህዝቢ ንየሱስ ኣብ ጽምዊ ቦታ ረኸብዎ (42-44)

4  የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ፡ ካብ ዮርዳኖስ ተመልሰ፣ ብመንፈስ ናብ በረኻ ተመሪሑ ኸኣ፡+ 2  ብድያብሎስ እናተፈተነ 40 መዓልቲ ጸንሐ።+ በተን መዓልትታት እቲአን፡ ገለ እኳ ኣይበልዐን፣ ምስ ተወድኣ ኸኣ ጠመየ። 3  ድያብሎስ ድማ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ነዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን በል” በሎ። 4  የሱስ ግና፡ “‘ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።+ 5  ኣደዪቡ ድማ፡ ኵለን መንግስትታት ዓለም ብቕጽበት ኣርኣዮ።+ 6  ድያብሎስ ከኣ፡ “እዚ ዅሉ ስልጣንን ክብረንን ንዓይ ስለ እተዋህበኒ፡ ኣነ ኸኣ ንዝደለኹ ስለ ዝህቦ፡ ንዓኻ ኽህበካ እየ።+ 7  ስለዚ፡ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዚ ዅሉ ናትካ ኪኸውን እዩ” በሎ። 8  የሱስ ድማ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ’* ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” በሎ።+ 9  ናብ የሩሳሌም ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ መንደቕ ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ጽደፍ፣+ 10  ከመይሲ፡ ከምዚ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፦ ‘ምእንቲ ኺሕልዉኻ፡ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ፡’ 11  ድማ ‘እግርኻ ብእምኒ ምእንቲ ኸይትዕንቀፍ፡ ብኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም’” በሎ።+ 12  የሱስ ከኣ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ኣይትፈትኖ’ ተባሂሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 13  ድያብሎስ ኵሉ ፈተናኡ ምስ ወድአ ድማ፡ ምሹእ ግዜ ኽሳዕ ዚረክብ ሓደጎ።+ 14  የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ።+ ዝናኡ እውን ኣብ ኵሉ እቲ ጐደቦታት ተዘርግሐ። 15  ንሱ ኸኣ ኣብ ምኵራባቶም መሃረ፣ ኵላቶም እውን የኽብርዎ ነበሩ። 16  ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፣+ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ምኵራብ ኣተወ፡+ ኬንብብ እውን ተንስአ። 17  ጥቕልልቲ መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ድማ ተዋህቦ፣ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ቀልዓ እሞ፡ ከምዚ ዚብል እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፦ 18  “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ የሆዋ* ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ምውጻእ ሓራ፡ ንዕዉራት ድማ ምርኣይ ክእውጅ፡ ንግፉዓት ሓራ ኸውጽእ፡+ 19  ቅብልቲ ዓመት የሆዋ* ኽሰብኽ ልኢኹኒ።”+ 20  ነታ መጽሓፍ ጠቕሊሉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፣ ኣዒንቲ ዅሎም እቶም ኣብታ ምኵራብ ዝነበሩ ድማ፡ ናብኡ ይጥምታ ነበራ። 21  ሽዑ፡ “እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቕዱስ ጽሑፍ እዚ፡ ሎሚ ተፈጺሙ” ኺብሎም ጀመረ።+ 22  ኵላቶም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ጥዑም ዘረባ ድማ ተገረሙ፡+ “እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧” ከኣ ይብሉ ነበሩ።+ 23  ንሱ ድማ፡ “‘ሓኪም ንርእስኻ ኣሕዊ’ ዚብል ምስላ ኸም እትምስሉለይ፡ ‘እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ከም ዝዀነ ዝሰማዕናዮ፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻ እውን ግበር’ ድማ ከም እትብሉኒ ርግጸኛ እየ” በሎም።+ 24  ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብ ዓዱ ተቐባልነት ዚረክብ ነብዪ የልቦን።+ 25  ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ብዘመን ኤልያስ፡ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣብ እተዓጽወሉ እሞ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ዓብዪ ጥሜት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን እየን።+ 26  ኤልያስ ግና ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶን ናብ ዝነበረት መበለት ጥራይ እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከን።+ 27  ብግዜ ነብዪ ኤልሳእ እውን፡ ኣብ እስራኤል ብዙሓት ድዉያት ነይሮም እዮም፣ ግናኸ፡ ንእማን እቲ ሶርያዊ ጥራይ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሀን።”*+ 28  ኵሎም እቶም ኣብታ ምኵራብ ነዚ ዝሰምዑ፡ ኣዝዮም ተቘጥዑ፣+ 29  ተንሲኦም ከኣ ካብታ ኸተማ ቐልጢፎም ኣውጽእዎ፣ ቍልቁል ኬጽድፍዎ ኢሎም ከኣ፡ ናብ ገምገም እቲ ኸተማኦም እተሰርሓትሉ ኸረን ወሰድዎ። 30  ንሱ ግና ብማእከሎም ሓሊፉ ኸደ።+ 31  ናብ ቅፍርናሆም፡ ከተማ ገሊላ ድማ ወረደ። ብሰንበት እውን ይምህሮም ነበረ፣+ 32  ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ።+ 33  ኣብታ ምኵራብ ድማ፡ ጋኔን፡ ማለት ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ነበረ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ጨደረ፦+ 34  “ኣየ፡ ኣታ ናዝሬታዊ የሱስ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧+ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ መን ምዃንካ ብልክዕ ፈሊጠካ ኣለኹ፣ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ኢኻ።”+ 35  የሱስ ግና፡ “ስቕ በል፡ ካብኡ እውን ውጻእ!” ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ነቲ ሰብኣይ ኣብ ማእከሎም ምስ ደርበዮ፡ ከይጐድኦ ኻብኡ ወጸ። 36  ኵላቶም ድማ ተደመሙ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፡ “ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣንን ብሓይልን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይወጹ እዮም እሞ፡ እዝስ እንታይ ዓይነት ዘረባ እዩ፧” እናበሉ ተዛራረቡ። 37  ወሪኡ ድማ ናብ ኵሉ መኣዝን እቲ ጐደቦታት ተዘርግሐ። 38  ካብታ ምኵራብ ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ብርቱዕ ረስኒ ነበራ፣ ኪረድኣ እውን ለመንዎ።+ 39  ኣብ ልዕሊኣ ደው ኢሉ፡ ነቲ ረስና ገንሖ፡ ሓደጋ ድማ። ብቕጽበት ተንሲኣ እውን ኣገልገለቶም። 40  ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ኸኣ፡ ኵሎም እቶም እተፈላለየ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት ዘለውዎም፡ ናብኡ ኣምጽእዎም። ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኣእዳዉ ኣንቢሩ ኣሕወዮም።+ 41  ኣጋንንቲ እውን፡ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ”+ ኢሎም እናጨደሩ ኻብ ብዙሓት ወጹ። ግናኸ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ እናገንሐ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቕደሎምን ነበረ።+ 42  ምስ ወግሐ ግና፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ።+ እቶም ህዝቢ ኸኣ ደለይዎ፡ ናብታ ዘለዋ መጺኦም እውን፡ ካባታቶም ከይከይድ ኪሕዝዎ ፈተኑ። 43  ንሱ ግና፡ “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ” በሎም።+ 44  ኣብ ምኵራባት ይሁዳ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ኣቕርበሉ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ኣይሓወየን።”