መሃልየ መሃልይ 1:1-17

  • መሃልየ መሃልይ (1)

  • ጓል (2-7)

  • ኣዋልድ የሩሳሌም (8)

  • ንጉስ (9-11)

    • “ስልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና” (11)

  • ጓል (12-14)

    • ‘ፍቱወይ ከም ምዑዝ ቍጻር ከርበ እዩ’ (13)

  • ጓሳ (15)

    • “ፍቕርተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ”

  • ጓል (16, 17)

    • ‘ፍቱወየ፡ ጽቡቕ ኢኻ’ (16)

1  ናይ ሰሎሞን መሃልየ መሃልይ፦*+   “ብምስዓም ኣፉ ይስዓመኒ፣መግለጺ ፍትወትካሲ ኻብ ወይኒ ይጥዕም።+   መዓዛ ዘይትኻ ባህ ዜብል እዩ።+ ስምካ ኸም ዝፈሰሰ ምዑዝ ዘይቲ እዩ።+ ስለዚ እየን ኣዋልድ ዜፍቅራኻ።   ምሳኻ ውሰደኒ፣* ንጕየ። ንጉስ ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታቱ ኣምጺኡኒ! ብኣኻ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ሓለፋ ወይንስ መግለጺ ፍትወትካ ንወድስ።* ንሳተን* ኬፍቅራኻስ ሓቀን እየን።   ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣነስ ጸላም እየ፣ግናኸ፡ ከም ድንኳናት ቄዳር፡+ ከም ዓለባ ድንኳናት+ ሰሎሞን ምጭውቲ እየ።   ጸሓይ ኣሕሪራትኒ እያ እሞ፡ጸላም ስለ ዝዀንኩ፡ ኣይትጠምቱኒ። ደቂ ኣደይ ተቘጢዖምኒ፣ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ ገይሮምኒ፣ናተይ ኣታኽልቲ ወይኒ ግና ኣይሓሎኹን።   ኣታ ዘፍቅረካ፡*ንመጓሰኻ ኣበይ ከም እትጓሲ፡+ቀትሪ ኣበይ ከም እተዕርፈን ንገረኒ። ስለምንታይከ ኣብ መንጎ መጓሰ ብጾትካብመጐልበቢ* ኸም እተጐልበበት ዝኸውን፧”   “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡ኪዲ ኣሰር መጓሰ ስዓቢ፣መሓስእኪ ድማ ኣብ ጥቓ ድንኳናት ጓሶት ጓስዪ።”   “ፍቕርተየ፡ ኣብ መንጎ ሰረገላታት ፈርኦን ብዘላ ባዝራ* እየ ዝምስለኪ።+ 10  መዓጕርትኺ ምስ ስልማት* ምጩዋት እየን፣ክሳድኪ ምስ ድሪ ኣዕናቝ እውን ከምኡ እዩ። 11  ጌጽ ብሩር ዘለዎስልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።” 12  “ንጉስ ኣብ መኣዱ ተቐሚጡ ኸሎ፡ሽቶይ*+ መዓዛኡ ይህብ። 13  ፍቱወይ ንዓይ ከም ምዑዝ ቍጻር ከርበ እዩ፣+ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ድማ ይሓድር። 14  ፍቱወይ ንዓይ፡ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይኒ ዔን-ገዲ፡+ከም ዘለላ ሒና እዩ።”+ 15  “እነኺ፡ ፍቕርተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። እነኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዒንትኺ ኸም ናይ ረገቢት እየን።”+ 16  “እነኻ፡ ፍቱወየ፡ ጽቡቕን ደስ እተብልን ኢኻ።+ ዓራትና ኣብ መንጎ ለምለም እዩ። 17  ኣግማል ቤትና* ቄድሮሳት፡ሰርወታትና ኸኣ ኣእዋም ጽሕዲ* እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መዝሙር መዝሙራት፣ ብሉጽ መዝሙር።”
ቃ.ቃ.፡ “ደድሕሬኻ ስሓበኒ።”
ወይ፡ “ንጸብጽብ።”
ማለት፡ እተን ኣዋልድ።
ወይ፡ “ብናይ ሓዘን መጐልበቢ።”
ወይ፡ “ኣታ ነፍሰይ እተፍቅረካ።”
ወይ፡ “ባዝራይ።”
ወይ፡ “ኣብ መንጎ ቝኖ ጸጕርኺ።”
ቃ.ቃ.፡ “ናርዶሰይ።”
ወይ፡ “ዓብዪ ቤትና።”
ወይ፡ “ተርሚን።”