መሃልየ መሃልይ 2:1-17

  • ጓል (1)

    • ‘ኣነስ ሳፍሮን እየ’

  • ጓሳ (2)

    • ‘ፍቕርተይ ከም ዕምባባ ሹሻን እያ’

  • ጓል (3-14)

    • ‘ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኣይተተንስኣ’ (7)

    • ጓሳ ተጠቒሱ (10ለ-14)

      • “ጽብቕተየ፡ ምሳይ ንዒ” (10ለ, 13)

  • ኣሕዋት እታ ጓል (15)

    • “ወኻሩ ሓዙልና”

  • ጓል (16, 17)

    • “ፍቱወይ ናተይ እዩ፡ ኣነ እውን ናቱ እየ” (16)

2  “ኣነስ ሳፍሮን ጐልጐል፡ዕምባባ ሹሻን ስንጭሮታት ጥራይ እየ።”+   “ፍቕርተይሲ ኣብ መንጎ ኣዋልድ፡ኣብ መንጎ እሾዅ ከም ዘላ ዕምባባ ሹሻን እያ።”   “ፍቱወይሲ ኣብ መንጎ ኣወዳት፡ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር ከም ዘሎ ኦም ቱፋሕ እዩ። ኣብ ጽላሉ ክቕመጥ ብርቱዕ ትምኒት ኣሎኒ፣ፍሪኡ ድማ ጥዑም እዩ ዚጥዕመኒ።   ናብ ቤት ድግስ* ወሰደኒ፣ኣብ ልዕለይ ዘሎ ሰንደቕ ዕላማኡ ፍቕሪ እዩ።   ብፍቕሪ ሓሚመ እየ እሞ፡ብጎጎ ዘቢብ ኣበርትዑኒ፡+ብቱፋሕ ድማ ዓንግሉኒ።   ጸጋመይቲ ኢዱ ተተርእሰኒ፣የማነይቲ ኢዱ ኸኣ ትሓቝፈኒ።+   ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ብሰስሓን+ ብእራብ መሮርን አምሕለክን ኣለኹ፦ ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።+   ድምጺ ፍቱወይ! ኣኽራን እናሓዀረ፡ ኣብ ልዕሊ ዅርባታት እናዘለለእንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ።   ፍቱወይ ከም ሰስሓን ከም ውላድ እራብን እዩ።+ ብድሕሪ መንደቕና ደው ኢሉ፡ብመስኰት ይጥምት፡ብዓይነ ርግቢ ይምልከት እንሆ። 10  ፍቱወይ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡኒ፦ ‘ፍቕርተየ፡ ተንስኢ፣ጽብቕተየ፡ ምሳይ ንዒ። 11  እንሆ፡ ክረምቲ ሓሊፉ። ዝናም ከኣ ተወዲኡ፡ ከይዱ። 12  ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእዩ፣+ግዜ ምጥጣፍ ኣኺሉ፣+መዝሙር ባሬቶ ድማ ኣብ ምድርና ተሰሚዑ።+ 13  ኦም በለስ ቀዳማይ በለሱ ጐጒቡ፣+ኣታኽልቲ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ኣውጺኡ። ፍቕርተየ፡ ተንስኢ እሞ ንዒ። ጽብቕተየ፡ ምሳይ ንዒ። 14  ኣቲ ኣብ ልጉስ ክፋል ከውሒ፡+ኣብ ሕቡእ ክፋል ጸድፊ ዘለኺ ርግበይ፡ድምጽኺ ባህ ዜብል፡ መልክዕኪ እውን ምጩው እዩ እሞ፡+መልክዕኪ ኣርእይኒ፡ ድምጽኺ ድማ ኣስምዕኒ።’”+ 15  “ኣታኽልቲ ወይንና ዓምቢቡ እዩ እሞ፡ነተን ንኣታኽልቲ ወይንና ዜበላሽዋ ወኻሩ፡ነተን ኰራዅር ወኻሩ ሓዙልና።” 16  “ፍቱወይ ናተይ እዩ፡ ኣነ እውን ናቱ እየ።+ ንሱ ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ይጓሲ ኣሎ።+ 17  ፍቱወየ፡ መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡* ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሃድምሲ፡ከምታ ኣብ ኣኽራን ፍልልይ* ዘላ ሰስሓ+ ወይ ውላድ እራብ፡+ቀልጢፍካ ተመለስ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ቤት ወይኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልቲ ኽሳዕ ፍሽፍሽ ዚብል።”
ወይ፡ “ኣኽራን ቋቝራ” ኪኸውን ይኽእል። ወይ፡ “ኣኽራን ቤተር።”