መሃልየ መሃልይ 2:1-17
2 “ኣነስ ሳፍሮን ጐልጐል፡ዕምባባ ሹሻን ስንጭሮታት ጥራይ እየ።”+
2 “ፍቕርተይሲ ኣብ መንጎ ኣዋልድ፡ኣብ መንጎ እሾዅ ከም ዘላ ዕምባባ ሹሻን እያ።”
3 “ፍቱወይሲ ኣብ መንጎ ኣወዳት፡ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር ከም ዘሎ ኦም ቱፋሕ እዩ።
ኣብ ጽላሉ ክቕመጥ ብርቱዕ ትምኒት ኣሎኒ፣ፍሪኡ ድማ ጥዑም እዩ ዚጥዕመኒ።
4 ናብ ቤት ድግስ* ወሰደኒ፣ኣብ ልዕለይ ዘሎ ሰንደቕ ዕላማኡ ፍቕሪ እዩ።
5 ብፍቕሪ ሓሚመ እየ እሞ፡ብጎጎ ዘቢብ ኣበርትዑኒ፡+ብቱፋሕ ድማ ዓንግሉኒ።
6 ጸጋመይቲ ኢዱ ተተርእሰኒ፣የማነይቲ ኢዱ ኸኣ ትሓቝፈኒ።+
7 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ብሰስሓን+ ብእራብ መሮርን አምሕለክን ኣለኹ፦
ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።+
8 ድምጺ ፍቱወይ!
ኣኽራን እናሓዀረ፡ ኣብ ልዕሊ ዅርባታት እናዘለለእንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ።
9 ፍቱወይ ከም ሰስሓን ከም ውላድ እራብን እዩ።+
ብድሕሪ መንደቕና ደው ኢሉ፡ብመስኰት ይጥምት፡ብዓይነ ርግቢ ይምልከት እንሆ።
10 ፍቱወይ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡኒ፦
‘ፍቕርተየ፡ ተንስኢ፣ጽብቕተየ፡ ምሳይ ንዒ።
11 እንሆ፡ ክረምቲ ሓሊፉ።
ዝናም ከኣ ተወዲኡ፡ ከይዱ።
12 ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእዩ፣+ግዜ ምጥጣፍ ኣኺሉ፣+መዝሙር ባሬቶ ድማ ኣብ ምድርና ተሰሚዑ።+
13 ኦም በለስ ቀዳማይ በለሱ ጐጒቡ፣+ኣታኽልቲ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ኣውጺኡ።
ፍቕርተየ፡ ተንስኢ እሞ ንዒ።
ጽብቕተየ፡ ምሳይ ንዒ።
14 ኣቲ ኣብ ልጉስ ክፋል ከውሒ፡+ኣብ ሕቡእ ክፋል ጸድፊ ዘለኺ ርግበይ፡ድምጽኺ ባህ ዜብል፡ መልክዕኪ እውን ምጩው እዩ እሞ፡+መልክዕኪ ኣርእይኒ፡ ድምጽኺ ድማ ኣስምዕኒ።’”+
15 “ኣታኽልቲ ወይንና ዓምቢቡ እዩ እሞ፡ነተን ንኣታኽልቲ ወይንና ዜበላሽዋ ወኻሩ፡ነተን ኰራዅር ወኻሩ ሓዙልና።”
16 “ፍቱወይ ናተይ እዩ፡ ኣነ እውን ናቱ እየ።+
ንሱ ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ይጓሲ ኣሎ።+
17 ፍቱወየ፡ መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡* ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሃድምሲ፡ከምታ ኣብ ኣኽራን ፍልልይ* ዘላ ሰስሓ+ ወይ ውላድ እራብ፡+ቀልጢፍካ ተመለስ።