መሃልየ መሃልይ 3:1-11

  • ኣዋልድ ጽዮን (6-11)

    • ዓጀባ ሰሎሞን ተገልጸ

3  “ብለይትታት ኣብ ዓራተይ፡ነቲ ዘፍቅሮ* ደለኽዎ።+ ደለኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።+  2  ክትንስእ እሞ ኣብ ከተማ ኽዘውር እየ፣ኣብ ጐደናታትን ኣብ ኣደባባያትንነቲ ዘፍቅሮ* ኽደልዮ እየ። ደለኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።  3  ኣብ ከተማ ዚዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ።+ ‘ነቲ ዘፍቅሮ* ርኢኹምዎዶ፧’  4  ቍሩብ ምስ ሓለፍክዎም፡ነቲ ዘፍቅሮ* ረኸብክዎ። ሓዝክዎ፡ ናብ ቤት ኣደይ፡ናብ ውሽጣዊት ክፍሊ ወላዲተይ ክሳዕ ዘእትዎ፡+ኣይሓደግክዎን።  5  ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ብሰስሓን ብእራብ መሮርን አምሕለክን ኣለኹ፦ ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።”+  6  “እዚ ኸርበን ጻዕዳ ዕጣንን ዚጨኑ፡ምስ ኵሉ ምዑዝ ዝጨናኡ ቐመም ነጋዳይከም ዓንዲ ትኪ ዀይኑ ኻብ በረኻ ዚመጽእ ዘሎ እንታይ እዩ፧”+  7  “እንሆ፡ ናይ ሰሎሞን ዓራት እዩ። ካብ ጀጋኑ እስራኤል፡+ስሳ ጀጋኑ ኸቢቦምዎ ኣለዉ።  8  ኵላቶም ሰይፊ እተዓጥቁ፡ኵላቶም ንውግእ ዝሰልጠኑ፡ካብ ሽበራ ለይቲ ንምሕላው ከኣ፡ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ጐድኑ እተዓጥቀ እዩ።”  9  “ንጉስ ሰሎሞን ካብ ኣእዋም ሊባኖስ ዘስርሖዚጽወረሉ ዓራት* እዩ።+ 10  ኣዕኑዱ ኻብ ብሩር፡መደገፊኡ ኻብ ወርቂ እተገብረ እዩ። መንበሩ ኻብ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ እዩ፣ውሽጡ ድማ ኣዋልድ የሩሳሌምብፍቕሪ ዝሰለማኦ እዩ።” 11  “ኣትን ኣዋልድ ጽዮን፡ ውጻ፡ንንጉስ ሰሎሞንእቲ ኣዲኡ+ ብመዓልቲ መርዓኡ፡በታ ልቡ እተሓጐሰትሉ መዓልቲዝገበረትሉ ኣኽሊል መርዓ* ገይሩ ኸሎስ ጠምታኦ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነቲ ነፍሰይ እተፍቅሮ።”
ወይ፡ “ነቲ ነፍሰይ እተፍቅሮ።”
ወይ፡ “ነቲ ነፍሰይ እተፍቅሮ።”
ወይ፡ “ነቲ ነፍሰይ እተፍቅሮ።”
ኣገዳሲ ሰብ ዚጽወረሉ እተሸፈነ ዓራት።
ወይ፡ “ኣኽሊል ዕምባባ፣ ኣኽሊል ቈጽሊ።”