መሃልየ መሃልይ 4:1-16

  • ጓሳ (1-5)

    • “ፍቕርተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ” (1)

  • ጓል (6)

  • ጓሳ (7-16ሀ)

    • “መርዓተየ፡ ልበይ ማሪኽክዮ” (9)

  • ጓል (16ለ)

4  “እነኺ፡ ፍቕርተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። እነኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዒንትኺ ብድሕሪ መጐልበቢኺ ኸም ናይ ረገቢት እየን። ጸጕርኺ ኸምተን ካብ ኣኽራን ጊልዓድ ዚወርዳመጓሰ ኣጣል እዩ።+  2  ኣስናንኪ ኸምተን መማንታ ዝወለዳ፡ዋላ ሓንቲአን ድማ ዕየታ ዘይሞታተሓጺበን ዚድይባእተቐምቀማ ኣባጊዕ እየን።  3  ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ፡ዘረባኺ ኸኣ ደስ ዜብል እዩ። መዓጕርትኺ* ብድሕሪ መጐልበቢኺኸም ምቃል ሮማን እየን።  4  ክሳድኪ+ ኸምቲ ብመስርዕ እምኒ እተሃንጸ፡ሽሕ ዋልታ፡ኵሉ ኸቢብ ዋላቱ ጀጋኑ ዚስቀሎ+ግምቢ ዳዊት እዩ።+  5  ክልቲአን ኣጥባትኪ ኸምተንኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ዚበልዓ ኽልተ ማሕስእ፡ከምተን ናይ ሰስሓ ማንታ እየን።”+  6  “መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡* ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሃድምሲ፡ናብ ከረን ከርበ፡ናብ ኵርባ ጻዕዳ ዕጣን ክኸይድ እየ።”+  7  “ፍቕርተየ፡ ኵለንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፣+ኣበር የብልክን።  8  መርዓተየ፡ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፣ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ።+ ካብ ርእሲ ኣማና፡*ካብ ርእሲ ሰኒር፡ ካብ ርእሲ ሄርሞን፡+ካብ ሰፈር ኣናብስ፡ ካብ ኣኽራን ኣናብር ውረዲ።  9  ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ ልበይ ማሪኽክዮ፣+ብሓንቲ ቘላሕታ ኣዒንትኺ፡ብሓንቲ ዕንቊ ስልማት ክሳድኪ ልበይ ማሪኽክዮ። 10  ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ መግለጺ ፍትወትኪ ኽንደይ ይጽብቕ!+ መግለጺ ፍትወትኪ ኻብ ወይኒ፡+መዓዛ ቕብእኺ ኻብ ኵሉ ጥዑም ጨና ኣጸቢቑ ይበልጽ!+ 11  መርዓተየ፡ ከናፍርኪ ኻብ ጎጎኡ ወለል ዚብል መዓር የንጠብጥብ።+ ኣብ ትሕቲ ልሳንኪ መዓርን ጸባን ኣሎ፣+መዓዛ ኽዳውንትኺ ድማ ከም መዓዛ ሊባኖስ እዩ። 12  ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ ከም እተሸጐረ ስፍራ ኣታኽልቲ፡እወ፡ ከም እተሸጐረ ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ከም ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ። 13  ጨናፍርኪ* ገነት* ሮማን፡ምስ ሕሩይ ፍረታት፡ ምስ ሒናን ኣትክልቲ ናርዶስን እዩ። 14  ናርዶስን+ ሳፍሮንን፡ ቃንጫን*+ ቃርፋን፡+ምስ ኵሉ ዓይነት ኣእዋም ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን ዓልወን፡+ምስ ብሉጽ ጥዑም ጨና+ ድማ እዩ። 15  ናይ ስፍራ ኣታኽልቲ ዓይኒ ማይ፡ ፈልፋሊ ማይ ዒላ፡ካብ ሊባኖስ ዚውሕዝ ወሓይዝ ኢኺ።+ 16  ኣታ ንፋስ ሰሜን፡ ንቓሕ፣ኣታ ንፋስ ደቡብ፡ ንዓ። ኣብ ልዕሊ ስፍራ ኣታኽልተይ ንፈስ።* መዓዛኡ ይዘርጋሕ።” “ፍቱወይ ናብ ስፍራ ኣታኽልቱ ይምጻእ፡ሕሩይ ፍረታቱ ድማ ይብላዕ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መታልሕኪ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልቲ ኽሳዕ ፍሽፍሽ ዚብል።”
ወይ፡ “መንጽር ሊባኖስ።”
ወይ፡ “ቈርበትኪ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ስፍራ ኣታኽልቲ።”
ምዑዝ ሻምብቆ።
ወይ፡ “ፍሽፍሽ በል።”