መሃልየ መሃልይ 6:1-13

  • ኣዋልድ የሩሳሌም (1)

  • ጓል (2, 3)

    • “ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣ ፍቱወይ ድማ ናተይ እዩ” (3)

  • ንጉስ (4-10)

    • ‘ከም ቲርጻ ጽብቕቲ ኢኺ’ (4)

    • ኣንስቲ ተጠቒሰን (10)

  • ጓል (11, 12)

  • ንጉስ (ምስ ካልኦት ሓቢሩ) (13ሀ)

  • ጓል (13ለ)

  • ንጉስ (ምስ ካልኦት ሓቢሩ) (13ሐ)

6  “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡ፍቱውኪ ናበይ ከይዱ፧ ምሳኺ ኽንደልዮስ፡ፍቱውኪ ናበይ ኣቢሉ፧”   “ፍቱወይሲ ናብ ስፍራ ኣታኽልቱ፡ናብ መደባት ኣትክልቲ ሽቱ፡ኣብ መንጎ ስፍራ ኣታኽልቲ ኺጓስንዕምባባታት ሹሻን ኪቕንጥስን ከይዱ።+   ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣ፍቱወይ ድማ ናተይ እዩ።+ ንሱ ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ይጓሲ ኣሎ።”+   “ፍቕርተየ፡ ከም ቲርጻ*+ ጽብቕቲ፡+ከም የሩሳሌም ምጭውቲ፡+ኣብ ዙርያ ሰንደቕ ዕላማኦም ከም ዘለዉ ሰራዊት መሳጢት ኢኺ።+   ኣዒንትኺ+ ኣይከኣልክወንን እሞ፡ካባይ ንንየው ኣብልየን። ጸጕርኺ ኸምተን ካብ ጎቦታት ጊልዓድ ዚወርዳ፡መጓሰ ኣጣል እዩ።+   ኣስናንኪ ኸምተን መማንታ ዝወለዳ፡ዋላ ሓንቲአን ድማ ዕየታ ዘይሞታተሓጺበን ዚድይባመጓሰ ኣባጊዕ እየን።   መዓጕርትኺ* ብድሕሪ መጐልበቢኺኸም ምቃል ሮማን እየን።   ንግስትታት 60፡ኣንስቲ ወሰን 80፡ኣዋልድ ከኣ ቍጽሪ ዘይብለን ኣለዋ።+   ግናኸ፡ ርግበይ፡+ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ እያ። ንኣዲኣ ሓንቲ እያ። ንወላዲታ ምርጽቲ* እያ። ኣዋልድ ርእየን፡ ሕጕስቲ ይብላኣ፣ንግስትታትን ኣንስቲ ወሰንን ድማ ይውድሳኣ። 10  ‘ከም ወጋሕታ እትበርህ፡*ከም ምልእቲ ወርሒ ጽብቕቲ፡ከም ብርሃን ጸሓይ ንጽህቲኣብ ዙርያ ሰንደቕ ዕላማኦም ከም ዘለዉ ሰራዊት መሳጢት ዝዀነት እዚኣ መን እያ፧’”+ 11  “ኣብ ስንጭሮ* ሓድሽ ብቋል ክርኢ፡ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ* ኽርኢ፡ሮማን እንተ ዓምቢቡ ኽርኢ፡ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣእዋም ካዕካዕ ወሪደ።+ 12  ከይፈለጥኩስ፡ትምኒተይ* ናብ ሰረገላታትክቡር* ህዝበይ ወሲዱኒ።” 13  “ተመለሲ፡ ተመለሲ፡ ኣቲ ሹላማዊት! ክንርእየክስተመለሲ፡ ተመለሲ!” “ስለምንታይ ኢኹም ነታ ሹላማዊት እትጥምትዋ፧”+ “ንሳስ ከም ሳዕስዒት ክልተ ጕጅለ* እያ!”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ባህ እተብል ከተማ።”
ወይ፡ “መታልሕኪ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንጽህቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣንቈልቊላ እትጥምት።”
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ኣጒሙ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ፍቓደኛታት።”
ወይ፡ “ሳዕስዒት ማሓናዪም።”