መሃልየ መሃልይ 6:1-13
6 “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡ፍቱውኪ ናበይ ከይዱ፧
ምሳኺ ኽንደልዮስ፡ፍቱውኪ ናበይ ኣቢሉ፧”
2 “ፍቱወይሲ ናብ ስፍራ ኣታኽልቱ፡ናብ መደባት ኣትክልቲ ሽቱ፡ኣብ መንጎ ስፍራ ኣታኽልቲ ኺጓስንዕምባባታት ሹሻን ኪቕንጥስን ከይዱ።+
3 ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣ፍቱወይ ድማ ናተይ እዩ።+
ንሱ ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ይጓሲ ኣሎ።”+
4 “ፍቕርተየ፡ ከም ቲርጻ*+ ጽብቕቲ፡+ከም የሩሳሌም ምጭውቲ፡+ኣብ ዙርያ ሰንደቕ ዕላማኦም ከም ዘለዉ ሰራዊት መሳጢት ኢኺ።+
5 ኣዒንትኺ+ ኣይከኣልክወንን እሞ፡ካባይ ንንየው ኣብልየን።
ጸጕርኺ ኸምተን ካብ ጎቦታት ጊልዓድ ዚወርዳ፡መጓሰ ኣጣል እዩ።+
6 ኣስናንኪ ኸምተን መማንታ ዝወለዳ፡ዋላ ሓንቲአን ድማ ዕየታ ዘይሞታተሓጺበን ዚድይባመጓሰ ኣባጊዕ እየን።
7 መዓጕርትኺ* ብድሕሪ መጐልበቢኺኸም ምቃል ሮማን እየን።
8 ንግስትታት 60፡ኣንስቲ ወሰን 80፡ኣዋልድ ከኣ ቍጽሪ ዘይብለን ኣለዋ።+
9 ግናኸ፡ ርግበይ፡+ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ እያ።
ንኣዲኣ ሓንቲ እያ።
ንወላዲታ ምርጽቲ* እያ።
ኣዋልድ ርእየን፡ ሕጕስቲ ይብላኣ፣ንግስትታትን ኣንስቲ ወሰንን ድማ ይውድሳኣ።
10 ‘ከም ወጋሕታ እትበርህ፡*ከም ምልእቲ ወርሒ ጽብቕቲ፡ከም ብርሃን ጸሓይ ንጽህቲኣብ ዙርያ ሰንደቕ ዕላማኦም ከም ዘለዉ ሰራዊት መሳጢት ዝዀነት እዚኣ መን እያ፧’”+
11 “ኣብ ስንጭሮ* ሓድሽ ብቋል ክርኢ፡ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ* ኽርኢ፡ሮማን እንተ ዓምቢቡ ኽርኢ፡ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣእዋም ካዕካዕ ወሪደ።+
12 ከይፈለጥኩስ፡ትምኒተይ* ናብ ሰረገላታትክቡር* ህዝበይ ወሲዱኒ።”
13 “ተመለሲ፡ ተመለሲ፡ ኣቲ ሹላማዊት!
ክንርእየክስተመለሲ፡ ተመለሲ!”
“ስለምንታይ ኢኹም ነታ ሹላማዊት እትጥምትዋ፧”+
“ንሳስ ከም ሳዕስዒት ክልተ ጕጅለ* እያ!”
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ባህ እተብል ከተማ።”
^ ወይ፡ “መታልሕኪ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንጽህቲ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣንቈልቊላ እትጥምት።”
^ ወይ፡ “ርባ።”
^ ወይ፡ “ኣጒሙ።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ።”
^ ወይ፡ “ፍቓደኛታት።”
^ ወይ፡ “ሳዕስዒት ማሓናዪም።”