መሃልየ መሃልይ 7:1-13

  • ንጉስ (1-9ሀ)

    • ‘ፍቕርተየ፡ ክንደይ ባህ ተብሊ’ (6)

  • ጓል (9ለ-13)

    • “ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣ ትምኒቱ ኸኣ ናባይ እዩ” (10)

7  “ኣቲ ኽብርቲ ጓል፡ኣእጋርኪ ኣብ ኣሳእንኪ ኽንደይ ይጽብቓ! ቅርጺ ሰለፍኪ ኸም ስልማት፡ከም ዕዮ ኢደ ጥበበኛ እዩ።   ሕምብርትኺ ኸቢብ ጭሔሎ እዩ። እተሓዋወሰ ወይኒ ኣይጕደሎ። ከብድኺ ብዕምባባታት ሹሻን ከም እተኸብበኵምራ ስርናይ እዩ።   ክልቲአን ኣጥባትኪ ኸም ክልተ ማሕስእ፡ከምተን ናይ ሰስሓ ማንታ እየን።+   ክሳድኪ+ ኸም ግምቢ ስኒ ሓርማዝ እዩ።+ ኣዒንትኺ+ ኸምተን ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ባት-ራቢም ዘለዋሓጽብታት ሔስቦን+ እየን። ኣፍንጫኺ ኸምቲ ናብ ደማስቆ ገጹ ዜርኢግምቢ ሊባኖስ እዩ።   ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ቀርሜሎስ እዩ፣+ዘው ዚብል ጸጕርኺ*+ ኸምቲ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ እዩ።+ ንጉስ በቲ ዛውያኺ ተማሪኹ።*   ፍቕርተየ፡ ካብ ኵሉ ኣዝዩ ደስ ዜብል ንላዕልስክንደይ ትጽብቒ፡ ክንደይከ ባህ ተብሊ!   ቍመትኪ ኸም ኦም ስየ፡ኣጥባትኪ ኸም ዘለላታት ተምሪ እዩ።+   ‘ኣብ ኦም ስየ ኽድይብ፡ነቲ ጨናፍር ምስ ፍሪኡ ኽሕዝ እየ’ በልኩ። ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፡ትንፋስኪ ኸኣ ከም ቱፋሕ ምዑዝ ይኹን።   ኣፍኪ* ድማ ከም ብሉጽ ወይኒ ይኹን።” “ከምቲ ኣብ ከናፍር እቶም ዝደቀሱ ቐስ ኢሉ ዚፈስስ፡ንፍቱወይ ሰተት ኢሉ ይውረደሉ። 10  ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣+ትምኒቱ ኸኣ ናባይ እዩ። 11  ፍቱወየ፡ ንዓ፣ናብ መሮር ንውጻእ፣ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ሒና ንኹን።+ 12  ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ፡*ጐጕማ እንተ ነቒዑ፡+ሮማን እውን እንተ ዓምቢቡ ኽንርኢ፡+ኣንጊህና ተንሲእና ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ንኺድ።+ ኣብኡ ፍትወተይ ክገልጸልካ እየ። 13  ፍረታት ማንድራጎራ+ መዓዛኡ ይህብ፣ኣብ ኣፍ ደገታትና ዅሉ ዓይነት ብሉጽ ፍረታት ኣሎ።+ ፍቱወየ፡ ሓድሽን ዝጸንሐንዓቚረልካ ኣለኹ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ተኣሲሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእስኺ።”
ቃ.ቃ.፡ “ትንሓግኪ።”
ወይ፡ “ኣጒሙ።”