መሳፍንቲ 10:1-18

  • ቶላዕን ያኢርን (1-5)

  • እስራኤል ይዓሉ፡ ይንሳሕ (6-16)

  • ዓሞናውያን ንእስራኤል ኣስግእዎ (17, 18)

10  ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከኣ ቶላዕ ወዲ ጱኣ፡ ወዲ ዶዶ፡ ካብ ይሳኮር፡ ንእስራኤል ኬድሕን ተንስአ።+ ንሱ ድማ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ኣብ ሻሚር ይቕመጥ ነበረ።  ንእስራኤል ከኣ 23 ዓመት ፈረደ። ድሕሪኡ፡ ሞተ፡ ኣብ ሻሚር ድማ ተቐብረ።  ድሕሪኡ፡ ያኢር እቲ ጊልዓዳዊ ተንስአ፣ ንእስራኤል ከኣ 22 ዓመት ፈረደ።  ንሱ ድማ ኣብ 30 ኣድጊ ዚውጥሑ 30 ደቂ ነበርዎ፣ እተን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓዎት-ያኢር ተባሂለን ዚጽውዓ፡ 30 ኸተማ ኸኣ ነበራኦም፣+ ንሳተን ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ኣለዋ።  ድሕርዚ፡ ያኢር ሞተ፡ ኣብ ቃሞን ድማ ተቐብረ።  እስራኤላውያን ከኣ መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ፣+ ንበዓላትን+ ንምስልታት ኣሽቶረትን ንኣማልኽቲ ኣራምን* ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን+ ንኣማልኽቲ ዓሞናውያንን+ ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን+ ድማ ኣገልገሉ። ንየሆዋ ኸኣ ሓደግዎ እምበር፡ ኣየገልገልዎን።  ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል ነደደ፣ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ዓሞናውያንን ድማ ሸጦም።+  ንሳቶም ከኣ በታ ዓመት እቲኣ ጨፍለቕዎምን ኣበርቲዖም ጨቈንዎምን፡—ንዅሎም እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ምድሪ ኣሞራውያን ዝነበረት ጊልዓድ ዚነብሩ እስራኤላውያን 18 ዓመት ጨቈንዎም።  እቶም ዓሞናውያን ድማ ምስ ይሁዳን ምስ ብንያምን ምስ ቤት ኤፍሬምን ኪዋግኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ፣ እስራኤል ከኣ ኣመና ጨነቖ። 10  ሽዑ፡ እስራኤላውያን፡ “ንኣምላኽና ሓዲግና ንበዓላት ኣገልጊልና ኢና እሞ፡ በዲልናካ ኢና”+ ኢሎም ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+ 11  የሆዋ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ “ግብጻውያንን+ ኣሞራውያንን+ ዓሞናውያንን ፍልስጥኤማውያንን+ 12  ሲዶናውያንን ኣማሌቅን ሚድያንን ምስ ጨቈኑኹም፡ ኣነ ደይኰንኩን ዘድሓንኩኹም፧ ናባይ ምስ ተማህለልኩም ከኣ፡ ካብ ኢዶም ኣድሒነኩም እየ። 13  ንስኻትኩም ግና ንዓይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልጊልኩም።+ ስለዚ፡ ደጊም ኣይከድሕነኩምን እየ።+ 14  ናብቶም ዝሓረኹምዎም ኣማልኽቲ ኼድኩም ተማህለሉ።+ ብግዜ ጭንቅኹም ንሳቶም የድሕኑኹም።”+ 15  እስራኤላውያን ግና ንየሆዋ፡ “በዲልና ኢና። ኣብ ኣዒንትኻ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ዘበለ ግበረና። ሓንትስ፡ በጃኻ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣድሕነና” በልዎ። 16  ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ኻብ ማእከሎም ኣርሒቖም ከኣ ንየሆዋ ኣገልገልዎ፣+ ስለዚ፡ ንሱ ንመከራ እስራኤል ኪጻወሮ ኣይከኣለን።*+ 17  ዓሞናውያን+ ድማ ተኣኪቦም ኣብ ጊልዓድ ሰፈሩ። እስራኤላውያን እውን ተኣኪቦም ኣብ ሚጽጳ ሰፈሩ። 18  እቶም ህዝብን እቶም መሳፍንቲ ጊልዓድን ከኣ ንሓድሕዶም፡ “ምስ ዓሞናውያን ንምውጋእ መን ኪመርሓና እዩ፧+ ንሱ ሓለቓ ዅሎም ነበርቲ ጊልዓድ ይኹን” ተባሃሃሉ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሶርያን።”
ወይ፡ “ነፍሱ ብመከራ እስራኤል ዓቕሊ ኣጽበበት።”