መሳፍንቲ 11:1-40

  • ይፍታሕ ተሰጕጐ፡ ደሓር መራሒ ዀነ (1-11)

  • ይፍታሕ ንዓሞናውያን እተዛረቦም ዘረባ (12-28)

  • መብጽዓ ይፍታሕን ጓሉን (29-40)

    • ጓል ይፍታሕ ከይተመርዓወት ዘሕለፈቶ ህይወት (38-40)

11  ይፍታሕ+ እቲ ጊልዓዳዊ ድማ ሓያል ጅግና ነበረ፣ ንሱ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ነበረ፡ ጊልዓድ ከኣ ኣቦ ይፍታሕ ነበረ።  ሰበይቲ ጊልዓድ እውን ኣወዳት ወለደትሉ። ደቂ እታ ሰበይቲ ምስ ዓበዩ ድማ፡ ንይፍታሕ፡ “ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቤተ ሰብ ኣቦና ርስቲ ኣይኪህልወካን እዩ” ኢሎም ሰጐጕዎ።  ሽዑ፡ ይፍታሕ ካብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሃደመ፣ ኣብ ምድሪ ጦብ ከኣ ተቐመጠ። ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ድማ ምስ ይፍታሕ ሓበሩ፡ ንዕኡ እውን ሰዓብዎ።  ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ ዓሞናውያን ምስ እስራኤል ተዋግኡ።+  ዓሞናውያን ምስ እስራኤል ምስ ተዋግኡ ኸኣ፡ እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ ካብ ምድሪ ጦብ ኪመልስዎ ኸዱ።  ንይፍታሕ ድማ፡ “ምስ ዓሞናውያን ክንዋጋእ ምእንቲ ኽንክእል፡ ንዓ ኣዛዚና ኹን” በልዎ።  ይፍታሕ ግና ነቶም ዓበይቲ ጊልዓድ፡ “ንስኻትኩም ደይኰንኩምን ጸሊእኩምንስ፡ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጐጕኩምኒ፧+ ሕጂ ደኣ ምስ ጨነቐኩም፡ ስለምንታይ ናባይ መጺእኩም፧” በሎም።  እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፡ “ስለዚ ኢና ናባኻ እተመለስና። ምሳና ኼድካ ምስ ዓሞናውያን እንተ ተዋጊእካ፡ ንዅልና ነበርቲ ጊልዓድ መራሒና ኽትከውን ኢኻ” በልዎ።+  ይፍታሕ ከኣ ነቶም ዓበይቲ ጊልዓድ፡ “ምስ ዓሞናውያን ክዋጋእ እንተ መሊስኩምኒ፡ የሆዋ ድማ ኣብ ኢደይ እንተ ሂቡኒ፡ ሽዑ ኣነ ብርግጽ መራሒኹም ክኸውን እየ!” በሎም። 10  እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ከኣ ንይፍታሕ፡ “ከምቲ ዝበልካዮ እንተ ዘይጌርና፡ የሆዋ ኣብ መንጎና ምስክር* ይኹን” በልዎ። 11  ስለዚ፡ ይፍታሕ ምስቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ከደ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ መራሒኦምን ኣዛዚኦምን ገበርዎ። ይፍታሕ ድማ ኵሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ሚጽጳ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደገሞ።+ 12  ይፍታሕ ከኣ ናብ ንጉስ ዓሞናውያን፡+ “ንምድረይ ከተጥቅዕ ዝመጻእካስ፡ ምሳይ እንታይ ኣሎካ፧”* ኢሉ ልኡኻት ለኣኸሉ። 13  ንጉስ ዓሞናውያን ድማ ነቶም ልኡኻት ይፍታሕ፡ “እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ፡ ምድረይ፡ ካብ ኣርኖን+ ክሳብ ያቦቅን ክሳብ ዮርዳኖስን፡+ ስለ ዝወሰደለይ እየ።+ ሕጂ ብሰላም ምለሰለይ” በሎም። 14  ይፍታሕ ግና ናብ ንጉስ ዓሞናውያን መሊሱ ልኡኻት ሰደደ እሞ፡ 15  ከምዚ በሎ፦ “ይፍታሕ ከምዚ ይብል፦ ‘እስራኤል ምድሪ ሞኣባውያንን+ ምድሪ ዓሞናውያንን+ ኣይወሰደን። 16  እስራኤልሲ ኻብ ግብጺ ምስ ደየበ፡ ብበረኻ ኣቢሉ ኽሳብ ቀይሕ ባሕሪ ኸደ፡+ ናብ ቃዴስ ድማ መጸ።+ 17  ሽዑ፡ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶም፡+ “በጃኻ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ” ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፣ ንጉስ ኤዶም ግና ኣይሰምዖን። ናብ ንጉስ ሞኣብ+ ከኣ ለኣኸ፣ ንሱ እውን ኣይፈተወን። እስራኤል ድማ ኣብ ቃዴስ ተቐመጠ።+ 18  ብበረኻ ምስ ከደ፡ ንምድሪ ኤዶምን ንምድሪ ሞኣብን ዞሮ።+ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ ከይዱ ድማ፡ ኣብ ዞባ ኣርኖን ሰፈረ፣ ኣርኖን ዶብ ሞኣብ እዩ እሞ፡ ናብ ውሽጢ ዶብ ሞኣብሲ ኣይኣተወን።+ 19  “‘ድሕርዚ፡ እስራኤል ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ ልኡኻት ለኣኸ፣ እስራኤል ከኣ፡ “በጃኻ ናብ ቦታይ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ” በሎ።+ 20  ሲሆን ግና እስራኤል ብሃገሩ ኺሓልፍ ኣይኣመኖን፣ ስለዚ፡ ሲሆን ኵሉ ህዝቡ ኣኪቡ ኣብ ያሃጽ ሰፈረ፡ ምስ እስራኤል ድማ ተዋግአ።+ 21  ሽዑ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንሲሆንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድ እስራኤል ሃቦም፣ ንሳቶም ድማ ሰዓርዎም፡ ንዅላ ምድሪ እቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ኣሞራውያን ከኣ ተረስተይዋ።+ 22  በዚ ኸምዚ፡ ካብ ኣርኖን ክሳብ ያቦቅ፡ ካብ በረኻ ኸኣ ክሳብ ዮርዳኖስ፡ ኵላ ሃገር ኣሞራውያን ተረስተዩ።+ 23  “‘ንኣሞራውያን ካብ ቅድሚ ህዝቡ እስራኤል ዝሰጐጎም፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እዩ፣+ ሕጂ ኸኣ፡ ንስኻዶ ኽትሰጕጎም ኢኻ፧ 24  ከሞሽ ኣምላኽካ+ ዘረስተየካዶ ኣይትርስተን፧ ከምኡ ድማ ንሕና ነቶም የሆዋ ኣምላኽና ኻብ ቅድሜና ዝሰጐጎም ዘበሉ ኽንሰጕግ ኢና።+ 25  ሕጂ ኸኣ፡ ካብ ባላቅ+ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብዶ ንስኻ ትበልጽ ኢኻ፧ ንሱዶ ምስ እስራኤል ተባኢሱ ወይ ምሳታቶም ተዋጊኡ እዩ፧ 26  እስራኤል ኣብ ሔስቦንን ዓድታታን+ ኣብ ዓሮዔርን ዓድታታን ኣብ ገምገም ኣርኖን ኣብ ዘለዋ ዅለን ከተማታትን 300 ዓመት ተቐሚጡ ኸሎ ደኣ፡ ስለምንታይ በቲ ግዜ እቲ ኽትወስድዎ ዘይፈተንኩም፧+ 27  ኣነስ ኣይበደልኩኻን፡ ንስኻ ግና ንዓይ ብምጥቃዕካ ትጋገ ኣለኻ። እቲ ፈራዲ ዝዀነ የሆዋ+ ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤልን ኣብ መንጎ ህዝቢ ዓሞንን ሎሚ ይፍረድ።’” 28  ንጉስ ዓሞናውያን ግና ነቲ ይፍታሕ ዝለኣኸሉ መልእኽቲ ኣይሰምዖን። 29  ሽዑ፡ መንፈስ የሆዋ ናብ ልዕሊ ይፍታሕ መጸ፣+ ንሱ ኸኣ ብጊልዓድን ብምናሴን ኣቢሉ ናብ ሚጽጰ ናይ ጊልዓድ ሓለፈ፡+ ካብ ሚጽጰ ናይ ጊልዓድ ከኣ ናብ ዓሞናውያን ሓለፈ። 30  ይፍታሕ ድማ ከምዚ ኢሉ ንየሆዋ ተመባጽዐ፦+ “ንዓሞናውያን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካኒ፡ 31  ሽዑ ኻብ ዓሞናውያን ብሰላም ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበለኒ ኢሉ ኻብ ኣፍ ደገ ቤተይ ዚወጽእ፡ ንየሆዋ ኪኸውን እዩ፣+ ኣነ እውን ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን ከቕርቦ እየ።”+ 32  ሽዑ፡ ይፍታሕ ምስ ዓሞናውያን ኪዋጋእ ከደ፣ የሆዋ ኸኣ ንዓታቶም ኣብ ኢዱ ሃቦ። 33  ካብ ዓሮዔር ክሳብ ሚኒት፡—20 ኸተማ፡—ክሳብ ኣቤል-ከራሚም ድማ ወቒዑ ኣመና ብዙሓት ቀተለ። ዓሞናውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ተምበርከኹ። 34  ይፍታሕ ድማ ናብ ሚጽጳ ናብ ቤቱ ምስ መጸ፡+ እንሃ፡ ጓሉ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ክትቅበሎ ወጸት። ንሳ ኸኣ ሓንቲ በይና ውሉዱ ነበረት። ብዘይካኣ ወዲ ዀነ ጓል ኣይነበሮን። 35  ምስ ረኣያ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ “ኣየ፡ ጓለየ! እቲ ዝሰጕጎ ንስኺ ዄንኪ ኢኺ እሞ፡ ልበይ ሴርክዮ።* ናብ የሆዋ ኣፈይ ከፊተ እየ፡ ክመልሶ ድማ ኣይክእልን እየ” በለ።+ 36  ንሳ ኸኣ፡ “ኣቦየ፡ የሆዋ ኣብቶም ጸላእትኻ ዓሞናውያን ሕነ ስለ ዝፈደየልካ፡ ናብ የሆዋ ኣፍካ ኻብ ከፈትካስ፡ ከምቲ እተመባጻዕካዮ ግበረኒ” በለቶ።+ 37  ንኣቦኣ ድማ፡ “እዚ ነገር እዚ ይገበረለይ፦ ክልተ ወርሒ በይነይ ክኸውን፡ ናብ ኣኽራን ከይደ ኸኣ፡ ምስ ኣዳኖታተይ ንድንግልናይ ክበኽየላ”* በለቶ። 38  ንሱ ድማ፡ “ኪዲ” በላ። ክልተ ወርሒ ኸኣ ሰደዳ፣ ንሳ ኸኣ ምስ ኣዳኖታታ ናብ ኣኽራን ከይዳ፡ ንድንግልናኣ በኸየትላ። 39  ኣብ መወዳእታ ኽልተ ወርሒ ድማ ናብ ኣቦኣ ተመልሰት፣ ንሱ ኸኣ ከምቲ ብዛዕባኣ እተመባጽዖ ገበረ።+ ንሳ ድማ ሰብኣይ ከቶ ኣየእተወትን። እዚ ኸኣ ኣብ እስራኤል ልምዲ* ዀነ፦ 40  ኣዋልድ እስራኤል ዓመት ዓመት እናኸዳ፡ ንጓል ይፍታሕ እቲ ጊልዓዳዊ ኣርባዕተ መዓልቲ ይንእዳኣ ነበራ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ሰማዒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንዓይን ንዓኻን እንታይ እዩ፧”
ቃ.ቃ.፡ “ኣድኒንክኒ።”
ወይ፡ “ከቶ ስለ ዘይምርዖ፡ ምስ ኣዳኖታተይ ክበኪ።”
ወይ፡ “ስርዓት።”