መሳፍንቲ 12:1-15

  • ምስ ኤፍሬማውያን እተፈጥረ ግጭት (1-7)

    • ፈተና ሺቦለት (6)

  • መሳፍንቲ ዝነበሩ ኢብጻንን ኤሎንን ዓብዶንን (8-15)

12  ሰብ ኤፍሬም ድማ ተኣኪቦም ናብ ጻፎን* ተሳገሩ፣ ንይፍታሕ ከኣ፡ “ንዓሞናውያን ክትዋጋእ ክትሳገር ከለኻስ፡ ምሳኻ ኽንከይድ ዘይጸዋዕካና ስለምንታይ ኢኻ፧+ ቤትካ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኸነንድዳ ኢና” በልዎ።  ይፍታሕ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኣነን ህዝበይን ምስ ዓሞናውያን ኣብ ብርቱዕ ቃልሲ ኢና ኔርና። ሓገዝ ደልየስ ጸዊዐኩም እየ፣ ንስኻትኩም ግና ካብ ኢዶም ኣየድሓንኩምንን።  ከም ዘይተድሕኑኒ ምስ ረኣኹ ኸኣ፡ ህይወተይ ቀቢጸ* ንዓሞናውያን ንምጽራር ክኸይድ ቈሪጸ።+ የሆዋ ድማ ንዓታቶም ኣብ ኢደይ ሂቡኒ። እሞኸ ደኣ፡ ስለምንታይ ሎሚ ኽትዋግኡኒ መጺእኩም፧”  ሽዑ፡ ይፍታሕ ንዅሎም ሰብ ጊልዓድ ኣኪቡ+ ምስ ኤፍሬም ተዋግአ፣ ሰብ ጊልዓድ ድማ ነቶም፡ “ኣቱም ኣብ ኤፍሬምን ምናሴን ዘለኹም ሰብ ጊልዓድ፡ ካብ ኤፍሬም ዝሃደምኩም ኢኹም” ዝበልዎም ሰብ ኤፍሬም ሰዓርዎም።  ጊልዓድ ከኣ ንኤፍሬም ቀዲምዎ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሓዘ፣+ ሰብ ኤፍሬም ኪሃድሙ ኸለዉ ድማ፡ “ኣሕልፉኒ” ይብሉ ነበሩ፣ ሰብ ጊልዓድ ድማ ንነፍሲ ወከፍ፡ “ኤፍሬማዊ ዲኻ፧” ኢሎም ይሓትቱ ነበሩ። “ኣይፋለይን!” ኢሉ እንተ መለሰ ኸኣ፡  “እስከ ሺቦለት በል” ይብልዎ ነበሩ። ንሱ ነታ ቓል ብልክዕ ምዝራብ ስኢኑ፡ “ሲቦለት” ምስ ዚብል ድማ፡ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ይቐትልዎ ነበሩ። በታ ግዜ እቲኣ፡ ካብ ኤፍሬም 42,000 ወደቑ።  ይፍታሕ ድማ ንእስራኤል ሽዱሽተ ዓመት ፈረደ። ይፍታሕ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ ሞተ፡ ኣብታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ኸተማኡ ድማ ተቐብረ።  ድሕሪኡ ኸኣ፡ ኢብጻን ብዓል ቤት-ልሄም ንእስራኤል ፈረደ።+  ንሱ 30 ኣወዳትን 30 ኣዋልድን ነበርዎ። ንኣዋልዱ ድማ ካብ እንዳኡ ወጻኢ ኣመርዓወን፣ ነቶም ኣወዳቱ ዚምርዓዋ 30 ኣዋልድ እውን ኣምጽአ። ንእስራኤል ከኣ ሸውዓተ ዓመት ፈረደ። 10  ኢብጻን ድማ ሞተ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ከኣ ተቐብረ። 11  ድሕሪኡ ድማ፡ ኤሎን እቲ ዛብሎናዊ ንእስራኤል ፈረደ፣ ንእስራኤል ዓሰርተ ዓመት ፈረደ። 12  ኤሎን እቲ ዛብሎናዊ ኸኣ ሞተ፡ ኣብ ኣያሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ድማ ተቐብረ። 13  ድሕሪኡ ኸኣ፡ ዓብዶን፡ ወዲ ሂሌል እቲ ጲርዓቶናዊ፡ ንእስራኤል ፈረደ። 14  ንሱ ድማ፡ 70 ኣድጊ ዚውጥሑ 40 ደቅን 30 ደቂ ደቅን ነበርዎ። ንእስራኤል ከኣ ሸሞንተ ዓመት ፈረደ። 15  ዓብዶን ወዲ ሂሌል እቲ ጲርዓቶናዊ ድማ ሞተ፣ ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤፍሬም፡ ኣብ ከረን ኣማሌቃውያን+ ዘላ ጲርዓቶን ከኣ ተቐብረ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ናብ ሰሜን ተሳገሩ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነፍሰይ ኣብ ኢደይ ኣንቢረ።”