መሳፍንቲ 15:1-20

  • ሲምሶን ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ሕነኡ ፈደየ (1-20)

15  ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ ብግዜ ዓጺድ ስርናይ፡ ሲምሶን ማሕስእ ሒዙ፡ ንሰበይቱ ኺበጽሓ ኸደ እሞ፡ “ናብ ሰበይተይ፡ ናብ መደቀሲ* ኽኣቱ እደሊ ኣለኹ” በለ። ኣቦኣ ግና ኪኣቱ ኣይፈቐደሉን።  ኣቦኣ ኸኣ፡ “‘ብርግጽ ጸሊእዋ ኪኸውን ኣለዎ’ ኢለ ሓሲበስ፡+ ንዓርክኻ ሂበያ።+ ካብኣዶ ግዳ ንእሽቶ ሓብታ ኣይትጽብቕን፧ በጃኻ፡ ኣብ ክንዳኣ ንዓኣ ውሰዳ” በሎ።  ሲምሶን ግና፡ “ሕጂ ንፍልስጥኤማውያን እንተ ጐዳእክዎም፡ በደል የብለይን” በለ።  ሲምሶን ድማ ከይዱ 300 ወኻርያ ሓዘ። ፋናታት ወሲዱ ኸኣ፡ ነተን ወኻሩ ጭራ ምስ ጭራ ኣቈራንዩ፡ ኣብ መመንጎ ኽልተ ጭራ ሓደ ፋና ገበረ።  ነቲ ፋናታት ብሓዊ ወሊዑ ድማ፡ ነተን ወኻሩ ናብ ዘየተዓጽደ እኽሊ ፍልስጥኤማውያን ፈነወን። ካብ እንዳእቲ ኽሳዕ ዘይተዓጽደ እኽሊ፡ ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ኣውልዕን እውን ኣንደደ።  ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ “መን እዩ እዚ ገይሩ፧” ኢሎም ሓተቱ። “ሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሃቦ፡ ሲምሶን እቲ ሰብኣይ ጓል እቲ ቲምናዊ እዩ” ተባሂሉ ድማ ተነግሮም።+ ሽዑ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም፡ ንዓኣን ንኣቦኣን ብሓዊ ኣንደድዎም።+  ሲምሶን ከኣ፡ “ከምዚ ኻብ ገበርኩምሲ፡ ሕነ ኽሳዕ ዝፈድየኩም ኣይክሓድግን እየ” በሎም።+  ሽዑ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ* ወቒዑ ብዙሓት ቀተለ፣ ድሕርዚ፡ ወሪዱ ኣብ በዓቲ* ኸውሒ ዔጣም ተቐመጠ።  ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፡ ኣብ ሌሒ+ እውን ኰለል በሉ። 10  ሰብ ይሁዳ ድማ፡ “ስለምንታይ ክትጻረሩና ደዪብኩም፧” በልዎም፣ ንሳቶም ከኣ፡ “ንሲምሶን ክንሕዞ፡* ከምቲ ዝገበረና ድማ ክንገብሮ ኢና ዝደየብና” በልዎም። 11  ሽዑ፡ 3,000 ሰብኡት ናብ በዓቲ* ኸውሒ ዔጣም ወረዱ እሞ፡ ንሲምሶን፡ “ፍልስጥኤማውያን ከም ዚገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧+ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ እዚ ዝገበርካና፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ከምቲ ዝገበሩኒ፡ ከምኡ እየ ዝገበርክዎም” በሎም። 12  ንሳቶም ግና፡ “ሒዝና* ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፍና ኽንህበካ ኢና መጺእና” በልዎ። ሲምሶን ድማ፡ “ንስኻትኩም ደኣ ኸይተጥቅዑኒ ምሓሉለይ” በሎም። 13  ንሳቶም ከኣ፡ “ኣይፋልናን፡ ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ኣሕሊፍና ኽንህበካ ኢና እምበር፡ ኣይንቐትለካን ኢና” በልዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ፡ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ። 14  ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን ብዓወት እናጨደሩ ተቐበልዎ። ሽዑ፡ መንፈስ የሆዋ ኣኽእሎ ሃቦ፣+ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከኣ ብሓዊ ኸም ዝሓረረ ፈትሊ ልሕጺ እንጣጢዕ ኰነ፣ መእሰሪኡ ድማ ኣብ ኣእዳዉ መኸኸ።+ 15  ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ኸኣ ረኸበ፣ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ወሰዶ እሞ፡ ብእኡ ገይሩ 1,000 ሰብኡት ቀተለ።+ 16  ሲምሶን ከኣ፡ “ብምንጋጋ ኣድጊ፡ ሓደ ዅምራ፡ ክልተ ዅምራ! ብምንጋጋ ኣድጊ፡ 1,000 ሰብኡት ቀቲለ” በለ።+ 17  ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ነቲ ምንጋጋ ደርበዮ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ድማ ራማት-ሌሒ* ኢሉ ሰመያ።+ 18  ሽዑ፡ ኣዝዩ ጸምአ፡ ናብ የሆዋ ኸኣ፡ “እዚ ዓብዪ ድሕነት እዚ ብኢድ ጊልያኻ ዝሃብካ ንስኻ ኢኻ። ሕጂ ግና ብጽምኢዶ ኽመውት እየ፧ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግዙራትዶኸ ኽወድቕ እየ፧” ኢሉ ተማህለለ። 19  ኣምላኽ ድማ ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ገንኦ* ሰንጠቓ፡ ካብኣ ኸኣ ማይ ወጸ።+ ምስ ሰተየ ድማ፡ መንፈሱ* ተመልሰ፡ ተሓደሰ እውን። ስለዚ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ዔን-ሃቆረ* ኢሉ ሰመያ፣ ንሳ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ሌሒ ኣላ። 20  ንሱ ኸኣ ብዘመን ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል 20 ዓመት ፈረደ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ውሽጣዊት ክፍሊ።”
ቃ.ቃ.፡ “እግርን ሰለፍን።”
ወይ፡ “ነቓዕ፡ ቋቝራ።”
ወይ፡ “ክንኣስሮ።”
ወይ፡ “ነቓዕ፡ ቋቝራ።”
ወይ፡ “ኣሲርና።”
ትርጉሙ፡ “ኵርባ ምንጋጋ።”
ገንኦ ኣብ ከውሒ ዚርከብ ማይ ዚዓቍር ዓሚቝ ቦታ እዩ።
ወይ፡ “ሓይሉ።”
ትርጉሙ፡ “ዓይኒ ማይ እቲ እተማህለለ።”