መሳፍንቲ 16:1-31

  • ሲምሶን ኣብ ጋዛ (1-3)

  • ሲምሶንን ደሊላን (4-22)

  • ሲምሶን ሕነኡ ፈድዩ ሞተ (23-31)

16  ሓደ ግዜ፡ ሲምሶን ናብ ጋዛ ኸደ፡ ኣብኣ ኸኣ ሓንቲ ኣመንዝራ ረኣየ እሞ ናብ ቤታ ኣተወ።  ንጋዛውያን ከኣ፡ “ሲምሶን ናብዚ መጺኡ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮም። ንሳቶም ድማ ከበብዎ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸኣ ምሉእ ለይቲ ኣድበዩሉ። “ምስ ነግሀ ኽንቀትሎ ኢና” ኢሎም ድማ፡ ምሉእ ለይቲ ስቕ በሉ።  ግናኸ፡ ሲምሶን ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ተንሲኡ ንመዓጹ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማን ንኽልቲኡ ልዳውቱን ምስ ተገዳማቱ ሒዙ መንቈሶ። ኣብ መንኵቡ ገይሩ ድማ፡ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ኬብሮን ዘሎ ኸረን ጾይሩ ኣደየቦ።  ድሕርዚ፡ ኣብ ስንጭሮ* ሶሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ኣፍቀረ።+  እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብኣ ቐሪቦም፡ “ሓባብልዮ+ እሞ፡ እቲ ዓብዪ ሓይሉ ኻበይ ምዃኑ፡ ከመይ ጌርና ድማ ከነሰንፎን ክንኣስሮን ክንመልኮን ከም እንኽእል ፍለጢ። ንሕና ኸኣ ነፍሲ ወከፍና 1,100 ብሩር ክንህበኪ ኢና” በልዋ።  ደሊላ ድማ ንሲምሶን፡ “እዚ ዓብዪ ሓይልኻ ኻበይ ምዃኑ፡ ክትምለኽ ከኣ ብምንታይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ” በለቶ።  ሲምሶን ድማ፡ “ብሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ጅማት እንተ ኣሲሮምኒ፡ እደክም፣ ከም ማንም ሰብ ከኣ እኸውን” በላ።  ሽዑ፡ እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ጅማት ኣምጽኡላ እሞ፡ ብእኡ ኣሰረቶ።  ኣብ ውሽጣዊት ክፍሊ ኸኣ ደባይ ኣቐሚጦም ነበሩ፣ ንሳ ድማ፡ “ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ!” በለቶ። ሽዑ፡ ከምቲ ፈትሊ ልሕጺ እንጣጢዕ ሓዊ ምስ ተንከዮ ዚብተኽ፡ ነቲ ጅማውቲ በተኾ።+ ምስጢር ሓይሉ ኸኣ ኣይተፈልጠን። 10  ደሊላ ድማ ንሲምሶን፡ “እንሆ፡ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ከኣ ነጊርካኒ። ሕጂ ብምንታይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ” በለቶ። 11  ንሱ ድማ፡ “ዕዮ ብዘይተዓይዮ ሓድሽ ገመድ ብጽኑዕ እንተ ተኣሲረ፡ እደክም፣ ከም ማንም ሰብ ከኣ እኸውን” በላ። 12  ደሊላ ድማ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ፡ ብእኡ ኣሰረቶ እሞ፡ “ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ!” በለቶ። (እቶም ደባይ ከኣ ኣብታ ውሽጣዊት ክፍሊ ነበሩ።) ሽዑ፡ ካብ ቀላጽሙ፡ ከም ፈትሊ በተኾ።+ 13  ድሕርዚ፡ ደሊላ ንሲምሶን፡ “ክሳዕ ሕጂ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ከኣ ነጊርካኒ።+ ብምንታይ ከም እትእሰር ንገረኒ” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ነቲ ሸውዓተ ሽርበ ርእሰይ ምስ ቅጥኒ እንተ ኣሊምክዮ” በላ። 14  ብሽኻል ኣጽንዓቶ እሞ፡ “ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ!” በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ፡ ነቲ ሽኻል ማእለማን ነቲ ቕጥንን መንቈሶ። 15  ንሳ ኸኣ፡ “ልብኻ ምሳይ ዘይኰነ ኽነሱ ደኣ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ፡ ‘አፍቅረኪ እየ’ እትብለኒ፧+ ሰለስተ ሳዕ ኣላጊጽካለይ፡ እዚ ዓብዪ ሓይልኻ ኻበይ ምዃኑ እውን ኣይነገርካንን” በለቶ።+ 16  መዓልቲ መዓልቲ ኛኽ እናበለት ጸቕጢ ስለ ዝገበረትሉ፡ ክሳዕ ሞት ዓቕሊ ኣጽበበ።*+ 17  ኵሉ ልቡ ኸኣ ገለጸላ፡ “ኣነ ኻብ ከርሲ ኣደይ ኣትሒዘ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ስለ ዝዀንኩ፡ መላጸ ንርእሰይ ኣይተንከዮን።+ እንተ ተላጽየ፡ ሓይለይ ካባይ ይኸይድ፡ እደክም፡ ከም ኵሉ ሰብ እውን እኸውን” በላ። 18  ደሊላ ድማ፡ ኵሉ ልቡ ኸም ዝገለጸላ ምስ ረኣየት፡ ብኡብኡ ነቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን፡+ “ኵሉ ልቡ ገሊጹለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ደይቡ” ኢላ ጸውዓቶም። እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ ገንዘብ ሒዞም ናብኣ ደየቡ። 19  ንሳ ድማ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፣ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ኸኣ፡ ነቲ ሸውዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየቶ። ድሕርዚ፡ ሓይሉ ኻብኡ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ክትመልኮ ጀመረት። 20  “ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ!” ድማ በለቶ። ንሱ ኸኣ ካብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፡ “ከም ካልእ ግዜያት ፈንጺገ ኽወጽእ እየ” በለ።+ ግናኸ፡ የሆዋ ኸም ዝሓደጎ ኣይፈለጠን ነበረ። 21  እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ናብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ፡ ብኽልተ መቝሕ ነሓሲ ኣሰርዎ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ጠሓኒ እኽሊ ዀይኑ ነበረ። 22  እቲ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ፡ ድሕሪ ምልጻዩ ኺበቍል ጀመረ።+ 23  እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ “ኣምላኽና ንሲምሶን ጸላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንዳጎን+ ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኺስውኡሉን ኪሕጐሱን ተኣከቡ። 24  እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ “ኣምላኽና ነቲ ንምድርና ዘጥፍአን+ ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን+ ጸላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንኣምላኾም ወደስዎ። 25  ልቦም ስለ እተሓጐሰ፡ “መስሓቒ ኪዀነናስ፡ ንሲምሶን ጸውዕዎ” በሉ። መስሓቒ ኪዀኖም ድማ፡ ንሲምሶን ካብ ቤት ማእሰርቲ ጸውዕዎ፣ ኣብ መንጎ ኣዕኑድ ከኣ ደው ኣበልዎ። 26  ሲምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ዝሓዞ ቘልዓ፡ “ነቲ ነዛ ቤት ጾይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ምእንቲ ኽጽግዖ፡ ክድህስሶ ምርሓኒ” በሎ። 27  (እታ ቤት ከኣ ብሰብኡትን ብኣንስትን መሊኣ ነበረት። ኵሎም እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብኣ ነበሩ፣ ሲምሶን መስሓቒ ኪዀኖም ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዀይኖም ዚርእዩ ኣስታት 3,000 ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩ።) 28  ሲምሶን+ ድማ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ በጃኻ ዘክረኒ፣ ኦ ኣምላኸይ፡ በጃኻ ነዛ ግዜ እዚኣ ጥራይ ኣበርትዓኒ እሞ፡+ ሕነ ሓንቲ ኻብተን ክልተ ዓይነይ ንፍልስጥኤማውያን ክፈዲ”+ ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ። 29  ሽዑ፡ ሲምሶን ነቲ ነታ ቤት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል፡ ነቲ ሓደ ብየማነይቲ ኢዱ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ብጸጋመይቲ ኢዱ ሒዙ ተደገፎ። 30  ሲምሶን ከኣ፡ “ምስ ፍልስጥኤማውያን እሙት!”* በለ። ሽዑ፡ ብዅሉ ሓይሉ ደፍኦ፣ እታ ቤት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ጐይተትን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ህዝብን ወደቐት።+ ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ፡ ብሞቱ ዝቐተሎም በዝሑ።+ 31  ኣሕዋቱን ኵሎም ቤተ ሰብ ኣቦኡን ድማ ወሪዶም ሒዞምዎ ተመልሱ። ኣደዪቦም ከኣ ኣብቲ ኣብ መንጎ ጾርዓን+ ኤሽታኦልን ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ማኖኣ+ ቐበርዎ። ንሱ ንእስራኤል 20 ዓመት ፈረደ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ዓቕሊ ኣጽበበት።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት!”