መሳፍንቲ 17:1-13

  • ጣኦታት ሚካን ካህኑን (1-13)

17  ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም+ ከኣ ሚካ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ።  ንኣዲኡ ድማ፡ “እቲ እተወስደኪ እሞ እናሰማዕኩ ዝረገምክሉ 1,100 ብሩር፡ እንሆ፡ ምሳይ ኣሎ። ኣነ እየ ወሲደዮ” በላ። ኣዲኡ ኸኣ፡ “ወደየ፡ የሆዋ ይባርኽካ” በለቶ።  ንሱ ድማ ነቲ 1,100 ብሩር ንኣዲኡ መለሰላ፣ ኣዲኡ ኸኣ፡ “እዚ ብሩር እዚ፡ ንወደይ ጽሩብ ምስልን ፍሱስ ምስልን ምእንቲ ኺስርሓሉ፡ ካብ ኢደይ ብርግጽ ንየሆዋ ክቕድሶ እየ።+ ሕጂ ድማ ክመልሰልካ እየ” በለቶ።  ነቲ ብሩር ንኣዲኡ ምስ መለሰላ፡ ኣዲኡ 200 ብሩር ወሲዳ ንኣንጠረኛ ብሩር ሃበቶ። ንሱ ኸኣ ጽሩብ ምስልን ፍሱስ ምስልን ገበረ፣ ኣብ ቤት ሚካ ድማ ኣንበርዎ።  እዚ ሚካ ዚብሃል ሰብኣይ እዚ፡ ቤት ኣማልኽቲ ነበሮ፣ ኤፎድን+ ተራፊምን*+ ከኣ ገበረ፣ ንሓደ ኻብ ደቁ ድማ ካህኑ ኪኸውን ሸሞ።*+  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን።+ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ቕኑዕ ዝዀነ* ይገብር ነበረ።+  ኣብ ቤት-ልሄም+ ናይ ይሁዳ ድማ ሓደ ኻብ ዓሌት ይሁዳ ዝዀነ ጐበዝ ነበረ። ንሱ ንእተወሰነ ግዜ ኣብኣ ዚነብር ሌዋዊ ነበረ።+  እቲ ሰብኣይ ዚነብረሉ ቦታ ኺረክብ ኢሉ ኻብ ከተማ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ኸደ። መገዱ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ኣኽራን ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መጸ።+  ሚካ ድማ፡ “ካበይ መጺእካ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ካብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ዝመጻእኩ ሌዋዊ እየ፣ ዝነብረሉ ቦታ ኽረክብ እኸይድ ኣለኹ” በሎ። 10  ሚካ ድማ፡ “ምሳይ ተቐመጥ፡ ኣቦን* ካህንን ድማ ኩነኒ። ኣነ ኸኣ ንዓመት ዓሰርተ ብሩርን ዚግባእ ክዳውንትን ቀለብካን ክህበካ እየ” በሎ። ሽዑ፡ እቲ ሌዋዊ ኣተወ። 11  በዚ ኸምዚ፡ እቲ ሌዋዊ ምስቲ ሰብኣይ ኪቕመጥ ተሰማምዐ፣ እቲ ጐበዝ ከኣ ከም ሓደ ኻብ ደቁ ዀኖ። 12  ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ኻህኑ ኪኸውን ሸሞ፣*+ ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ሚካ ይነብር ነበረ። 13  ሽዑ፡ ሚካ፡ “እዚ ሌዋዊ ኻህን ኰይኑኒ እዩ እሞ፡ የሆዋ ጽቡቕ ከም ዚገብረለይ ሕጂ ፈለጥኩ” በለ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣማልኽትን፣ ጣኦታትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ መልኦ።”
ወይ፡ “ቅኑዕ ኢሉ ዝሓሰቦ።”
ወይ፡ “መዓድን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ መልኦ።”