መሳፍንቲ 18:1-31

  • ዳናውያን ርስቲ ይደልዩ ነበሩ (1-31)

    • ጣኦታት ሚካን ካህኑን ተታሕዙ (14-20)

    • ላይሽ ተወስደት፡ ዳን ተባሂላ ተሰምየት (27-29)

    • ኣብ ዳን ዝቘመ ኣምልኾ ጣኦት (30, 31)

18  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን።+ ነገድ ዳናውያን+ ከኣ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ርስቲ ኣይተዋህቦምን ነበረ እሞ፡ በተን መዓልትታት እቲአን ዚቕመጡሉ ርስቲ ይደልዩ ነበሩ።+  ዳናውያን ድማ ነታ ምድሪ ኺስልይዋን ኪድህስስዋን ካብ ዓሌቶም ሓሙሽተ ሰብኡት፡ ክኢላታት ሰብኡት፡ ካብ ጾርዓን ካብ ኤሽታኦልን+ ሰደዱ። “ኬድኩም ነታ ምድሪ ዳህስስዋ” ድማ በልዎም። ንሳቶም ናብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ናብ ቤት ሚካ+ ምስ መጹ፡ ኣብኣ ሓደሩ።  ኣብ ጥቓ ቤት ሚካ ኸለዉ፡ ድምጺ* እቲ ሌዋዊ ጐበዝ ኣለለይዎ እሞ፡ ናብኡ ኸይዶም፡ “መን ናብዚ ኣምጺኡካ፧ ኣብዚኸ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧ ኣብዝስ እንታይ ኣሎካ፧” በልዎ።  ንሱ ኸኣ፡ “ሚካ ኸምዝን ከምዝን ገይሩለይ፣ ካህን ክዀኖ ድማ ቈጺሩኒ” ኢሉ መለሰሎም።+  ንሳቶም ድማ፡ “መገድና ዚቐንዓና እንተ ዀይኑ ኽንፈልጥሲ፡ በጃኻ ንኣምላኽ ሕተተልና” በልዎ።  እቲ ኻህን ከኣ፡ “ብሰላም ኪዱ። የሆዋ ኣብ መገድኹም ምሳኻትኩም እዩ” በሎም።  እቶም ሓሙሽተ ሰብኡት ድማ ከዱ፡ ናብ ላይሽ ከኣ መጹ።+ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ህዝቢ ብርእሶም ተኣሚኖም ብልምዲ ሲዶናውያን ብህድኣትን ብዘይ ስግኣትን ከም ዚቕመጡ ረኣዩ።+ ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ዚርብሾም ጨቋኒ ወራሪ ኣይነበረን። ካብ ሲዶናውያን ድማ ርሑቓት ነበሩ፣ ምስ ዝዀነ ሰብ እውን ርክብ ኣይነበሮምን።  ናብቶም ኣብ ጾርዓን ኤሽታኦልን+ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ምስ ተመልሱ፡ እቶም ኣሕዋቶም፡ “ከመይ ኰይኑልኩም፧” በልዎም።  ንሳቶም ከኣ፡ “እታ ምድሪ ኣዝያ ጽብቕቲ ምዃና ርኢና ኢና እሞ፡ ኣንጻሮም ንደይብ። ስለምንታይ ትወላወሉ ኣለኹም፧ ነታ ምድሪ ኽትኣትውዋን ክትርስተይዋን ኣይትደንጕዩ። 10  ናብኣ ምስ በጻሕኩም፡ ብዘይ ስግኣት ዚነብር ህዝቢ ኽትረኽቡ ኢኹም፣+ እታ ምድሪ እውን ገፋሕ እያ። ኣምላኽ ንዓኣ፡ ነታ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ነገር ዘይጐድላ ቦታ፡ ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም ኣሎ” በልዎም።+ 11  ሽዑ፡ ካብ ዓሌት ዳናውያን ንውግእ እተዓጥቁ 600 ሰብኡት፡ ካብ ጾርዓን ኤሽታኦልን ነቐሉ።+ 12  ደዪቦም ከኣ ኣብ ቂርያት-የዓሪም+ ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዚ፡ እታ ብምዕራብ ቂርያት-የዓሪም ዘላ ቦታ እቲኣ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ መሓነ-ዳን*+ ትብሃል ኣላ። 13  ካብኣ ናብ ኣኽራን ኤፍሬም ከዱ፡ ናብ ቤት ሚካ እውን መጹ።+ 14  ሽዑ፡ እቶም ንምድሪ ላይሽ ኪስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰብኡት+ ነቶም ኣሕዋቶም፡ “ኣብዘን ኣባይቲ እዚአን ኤፎድን ተራፊምን* ጽሩብ ምስልን ፍሱስ ምስልን ከም ዘሎስ ትፈልጡዶ፧+ ስለዚ፡ እትገብርዎ ሕሰቡ” በልዎም። 15  ናብኡ ኣላጊሶም ከኣ፡ ናብ ቤት እቲ ሌዋዊ ጐበዝ፡+ ናብ ቤት ሚካ መጹ እሞ፡ ደሓን እንተ ዀይኑ ሓተትዎ። 16  እቶም ንውግእ እተዓጥቁ 600 ሰብ ዳን ድማ፡+ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ። 17  እቶም ነታ ምድሪ ኺስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰብኡት+ ነቲ ጽሩብ ምስልን ነቲ ኤፎድን+ ነቲ ተራፊምን*+ ነቲ ፍሱስ ምስልን+ ኪወስዱ ናብ ውሽጢ ኣተዉ። (እቲ ኻህን+ ከኣ ምስቶም ንውግእ እተዓጥቁ 600 ሰብኡት ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ነበረ።) 18  ንሳቶም ድማ ናብ ቤት ሚካ ኣትዮም፡ ነቲ ጽሩብ ምስልን ነቲ ኤፎድን ነቲ ተራፊምን* ነቲ ፍሱስ ምስልን ወሰዱ። ሽዑ፡ እቲ ኻህን፡ “እንታይ ትገብሩ ኣለኹም፧” በሎም። 19  ንሳቶም ከኣ፡ “ስቕ በል። ኣፍካ ብኢድካ ሓዝ፣ ምሳና ኼድካ ድማ፡ ኣቦን* ካህንን ኩነና። ኣብ ቤት ሓደ ሰብኣይ ካህን ምዃንዶ፡+ ወይስ ኣብ ሓደ ነገድን ዓሌትን እስራኤል ካህን ምዃን ይሕሸካ፧”+ በልዎ። 20  እቲ ኻህን ከኣ ባህ በሎ፣ ነቲ ኤፎድን ነቲ ተራፊምን* ነቲ ጽሩብ ምስልን+ ወሲዱ ድማ፡ ምስቲ ህዝቢ ኸደ። 21  ቈልዑን ማልን ክቡር ነገራትን ቀቅድሚኦም ገይሮም መገዶም ኪኸዱ ገጾም መለሱ። 22  ካብ ቤት ሚካ እተወሰነ ርሕቀት ምስ ከዱ፡ ጐረባብቲ ሚካ ተኣኪቦም፡ ንዳናውያን ኣርከብዎም። 23  ንዳናውያን ምስ ጸውዕዎም፡ ንሳቶም ገጾም መሊሶም ንሚካ፡ “እንታይ ኢኻ ዄንካ፧ ስለምንታይ ኢኻ ተኣኪብካ ዝመጻእካና፧” በልዎ። 24  ንሱ ድማ፡ “ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይ ወሲድኩምዎም፡ ነቲ ኻህን እውን ወሲድኩምዎ። እንታይዶ ኣትሪፍኩምለይ ኢኹም፧ ከመይ ኢልኩምከ፡ ‘እንታይ ኢኻ ዄንካ፧’ እትብሉኒ፧” በሎም። 25  እቶም ዳናውያን ከኣ፡ “ቍጡዓት* ሰባት ከየጥቅዑኹም እሞ፡ ህይወትካን ህይወት ቤተ ሰብካን* ከይትስእንሲ፡ ድምጽኻ ኣባና ኣይሰማዕ” በልዎ። 26  እቶም ዳናውያን ድማ መገዶም ከዱ፣ ሚካ ኸኣ ካብኡ ኸም ዚሕይሉ ምስ ረኣየ፡ ተመሊሱ ናብ ቤቱ ኸደ። 27  ንሳቶም ድማ ነቲ ሚካ ዝገበሮን ነቲ ኻህንን ምስ ወሰዱ፡ ናብ ላይሽ፡+ ናብቲ ሃዲኡን ብዘይ ስግኣትን ዚነብር ህዝቢ መጹ።+ ንዓታቶም ከኣ ብሰይፊ ወቕዕዎም፣ ነታ ኸተማ ድማ ብሓዊ ኣንደድዋ። 28  ንሳ ኻብ ሲዶን ርሕቕቲ ነበረት፡ ምስ ዝዀነ ሰብ እውን ርክብ ኣይነበሮምን እሞ፡ ዜናግፋ ኣይነበረን። ንሳ ኸኣ ኣብቲ ናይ ቤት-ሬሖብ+ ጐልጐል ስንጭሮ* ነበረት። ነታ ኸተማ ዳግም ሰሪሖም ከኣ ተቐመጥዋ። 29  ነታ ኸተማ ድማ ብስም እቲ ንእስራኤል እተወልደሉ ዳን ኣቦኦም፡+ ዳን ኢሎም ሰመይዋ።+ ቅድሚኡ ግና ስም እታ ኸተማ ላይሽ ይብሃል ነበረ።+ 30  ድሕርዚ፡ ዳናውያን ነቲ ጽሩብ ምስሊ ንርእሶም ኣቘምዎ።+ ነበርቲ እታ ምድሪ ናብ ምርኮ ኽሳዕ ዚኸዱ፡ ዮናታን+ ወዲ ጌርሾም፡+ ወዲ ሙሴ፡ ንሱን ደቁን ንነገድ ዳናውያን ካህናቶም ኰኑ። 31  ነቲ ሚካ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ድማ ኣቘምዎ፣ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ሺሎ ኣብ ዝነበረትሉ ዅሉ መዓልትታት ከኣ ኣብኡ ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣዘራርባ።”
ትርጉሙ፡ “ሰፈር ዳን።”
ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣማልኽትን፣ ጣኦታትን።”
ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣማልኽትን፣ ጣኦታትን።”
ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣማልኽትን፣ ጣኦታትን።”
ወይ፡ “መዓድን።”
ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣማልኽትን፣ ጣኦታትን።”
ወይ፡ “ነፍሶም እተመረረት።”
ወይ፡ “ነፍስኻን ነፍሲ ቤተ ሰብካን።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”