መሳፍንቲ 21:1-25

  • ብንያም ብደረጃ ነገድ ካብ ጥፍኣት ደሓነ (1-25)

21  እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ ኣብ ሚጽጳ፡+ “ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ፡ ሰበይቲ ኽትከውን ኣይሃብ” ኢሎም ምሒሎም ነበሩ።+  እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤት-ኤል መጹ፣+ ኣብኣ ኸኣ ዓው ኢሎም ኣምሪሮም እናበኸዩ፡ ክሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተቐመጡ።  “ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ስለምንታይ እዩ እዚ ኣብ እስራኤል ዝዀነ፧ ስለምንታይ እዩ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ዚጐድል፧” ድማ ይብሉ ነበሩ።  እቶም ህዝቢ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን+ ንምቕራብ፡ ኣብኡ መሰውኢ ሰርሑ።  ህዝቢ እስራኤል ከኣ፡ ናብ የሆዋ ናብ ሚጽጳ ዘይድይብ ብርግጽ ከም ዚቕተል ጽኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ፡ “ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺእከብ ዘይደየበ መን እዩ፧” በሉ።  ህዝቢ እስራኤል ድማ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሓዎም ብንያም ዝዀነ ነገር ጕህዮም ነበሩ። ከምዚ ድማ በሉ፦ “ሎሚ፡ ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ተቘሪጹ።  ንሕና ኻብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኸይንህቦም+ ብየሆዋ ምሒልና ኢና እሞ፡+ እቶም ዝተረፉ ኣንስቲ ኺረኽቡስ እንታይ ንግበረሎም፧”  ሽዑ፡ “ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ የሆዋ ናብ ሚጽጳ ዘይደየበ መን እዩ፧” ኢሎም ሓተቱ።+ ካብ ያቤሽ-ጊልዓድ ሓደ እኳ ናብቲ እቲ ጉባኤ ዝነበሮ ሰፈር ኣይመጸን።  እቲ ህዝቢ ምስ ተቘጽረ፡ ካብ ነበርቲ ያቤሽ-ጊልዓድ ሓደ እኳ ኣብኡ ኸም ዘይነበረ ረኣዩ። 10  ሽዑ፡ እቲ ኣኼባ 12,000 ዝሓየሉ ሰብኡት ሰደደ። ከምዚ ኢሎም ድማ ኣዘዝዎም፦ “ኬድኩም ንነበርቲ ያቤሽ-ጊልዓድ፡ እንተላይ ንኣንስቶምን ንቘልዑኦምን ብሰይፊ ውቕዕዎም።+ 11  እዚ ኸኣ ግበሩ፦ ኵሉ ተባዕታይን ኵለን ምስ ተባዕታይ ጾታዊ ርክብ ገይረን ዚፈልጣ ኣንስትን ኣጥፍኡ።” 12  ካብቶም ነበርቲ ያቤሽ-ጊልዓድ፡ 400 ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ገይረን ዘይፈልጣ ደናግል ኣዋልድ ረኸቡ። ንዓታተን ድማ ናብ ሰፈር፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘላ ሺሎ ኣምጽእወን።+ 13  ኵሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ ናብቶም ኣብ ከውሒ ሪሞን ዘለዉ ብንያማውያን+ ልኢኾም ጻውዒት ሰላም ኣቕረቡሎም። 14  በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ብንያም ተመልሰ። እተን ካብ ኣንስቲ ያቤሽ-ጊልዓድ ብህይወት ዝሓደግወን ኣንስቲ ኸኣ ሃብዎም፣+ ግናኸ፡ ኣይኣኸላኦምን። 15  እቶም ህዝቢ ድማ፡ የሆዋ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ክፍፍል ስለ ዝገበረ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ብንያም ዝዀነ ነገር ጐሃዩ።+ 16  ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ድማ፡ “ኵለን ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጠፊአን እየን እሞ፡ እቶም ዝተረፉ ኣንስቲ ኺረኽቡስ፡ እንታይ ንግበር፧” በሉ። 17  ሽዑ፡ ከምዚ በሉ፦ “ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ምእንቲ ኸይድምሰስ፡ እዞም ካብ ብንያም ድሒኖም ዘለዉ፡ ርስቲ ኺህልዎም ይግባእ። 18  ህዝቢ እስራኤል፡ ‘እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዚህብ ርጉም ይኹን’ ኢሎም ስለ ዝመሓሉ ግና፡ ካብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይፍቀደልናን እዩ።”+ 19  “እንሆ፡ ኣብታ ብሰሜን ቤት-ኤልን ብምብራቕ እቲ ኻብ ቤት-ኤል ናብ ሴኬም ዜደይብ ጐደናን ብደቡብ ለቦናን ዘላ ሺሎ ዓመት ንዓመት ዚግበር በዓል የሆዋ ኣሎ”+ ድማ በሉ። 20  ንሰብ ብንያም ከኣ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “ኬድኩም፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣድብዩ። 21  ኣዋልድ ሺሎ ብኽቢ ኺስዕስዓ ምስ ወጻ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ወጺእኩም፡ ካብተን ኣዋልድ ሺሎ ሰበይቲ ዘርፉ፡ ናብ ምድሪ ብንያም ድማ ተመለሱ። 22  ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ኺጠርዑ እንተ መጺኦም፡ ‘ብውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኽንረኽበሉ ስለ ዘይከኣልና፡+ ንስኻትኩም እውን በደልቲ ኸይኰንኩም ሰበይቲ ኽትህብዎም ስለ ዘይትኽእሉ፡+ ምእንታኦም ኢልኩም ሞገስ ኣርእዩና’ ኽንብሎም ኢና።” 23  እቶም ሰብ ብንያም ከኣ ከምኡ ገበሩ፣ ነፍሲ ወከፍ ድማ ካብተን ዚስዕስዓ ዝነበራ፡ ሰበይቲ ዘረፈ። ድሕርዚ፡ ናብ ርስቶም ተመልሱ፣ ከተማታት ዳግም ሰሪሖም+ ከኣ ኣባታተን ተቐመጡ። 24  እስራኤላውያን ድማ በታ ግዜ እቲኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ነናብ ነገዱን ነናብ ዓሌቱን ተበተነ፣ ነፍሲ ወከፍ እውን ካብኡ ነናብ ርስቱ ኸደ። 25  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን።+ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዕ ዝዀነ* ይገብር ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቅኑዕ ኢሉ ዝሓሰቦ።”