መሳፍንቲ 4:1-24

  • ያቢን ንጉስ ከነኣን ንእስራኤል ጨቈኖ (1-3)

  • ነብዪት ዴቦራን ባራቅን (4-16)

  • ያዔል ንሲሰራ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ቀተለቶ (17-24)

4  እስራኤላውያን ግና፡ ኤሁድ ምስ ሞተ፡ መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ።+  የሆዋ ድማ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ሓጾር ነጊሱ ዝነበረ ያቢን ንጉስ ከነኣን ሸጦም።+ ሓለቓ ሰራዊቱ ኸኣ እቲ ኣብ ናይ ኣህዛብ ሓሮሼት*+ ዚቕመጥ ዝነበረ ሲሰራ ነበረ።  ያቢን* ድማ ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን 900 ሰረገላታት* ነበራኦ፡+ ንእስራኤላውያን ከኣ 20 ዓመት ኣመና ጨቈኖም፣+ ስለዚ፡ እስራኤላውያን ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+  ዴቦራ፡ ነብዪት+ ሰበይቲ ላጲዶት ድማ፡ በታ ግዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት።  ንሳ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መንጎ ራማን+ ቤት-ኤልን+ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም እትርከብ ኦም ተምሪ ዴቦራ ትቕመጥ ነበረት፣ እስራኤላውያን ድማ ንፍርዲ ናብኣ ይድይቡ ነበሩ።  ንሳ ኸኣ ንባራቅ+ ወዲ ኣቢኖዓም ካብ ቀደሽ-ንፍታሌም+ ልኢኻ ጸዊዓ፡ ከምዚ በለቶ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ትእዛዝዶ ኣይሃበን፧ ‘ኪድ፡ ናብ ከረን ታቦር ተጐዓዝ፣* ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ድማ 10,000 ሰብኡት ውሰድ።  ንሲሰራ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ምስ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ናብ ርባ ቂሶን+ ከምጽኦ እየ፣ ኣብ ኢድካ ኸኣ ክህበካ እየ።’”+  ባራቅ ድማ፡ “ምሳይ እንተ ኼድኪ፡ ክኸይድ እየ፣ ምሳይ እንተ ዘይኬድኪ ግና፡ ኣይከይድን እየ” በላ።  ንሳ ኸኣ፡ “ብርግጽ ምሳኻ ክኸይድ እየ። ግናኸ፡ የሆዋ ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺህቦ እዩ እሞ፡ እዚ እትኸዶ ዘለኻ ወፈራ ንኽብርኻ ኣይኪኸውንን እዩ” በለቶ።+ ዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቀደሽ ከደት።+ 10  ባራቅ ከኣ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን+ ናብ ቀደሽ ጸውዖም፣ 10,000 ሰብኡት ድማ ኣሰሩ ሰዓቡ። ዴቦራ እውን ምስኡ ደየበት። 11  ሔበር እቲ ቄናዊ ኸኣ ካብ ቄናውያን፡+ ደቂ ሖባብ ሓሙ ሙሴ፡+ ተፈልዩ ነበረ፣ ድንኳኑ ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ቀደሽ ዘሎ ዓብዪ ኦም ጸዓናኒም ተኺሉ ነበረ። 12  ንሲሰራ ኸኣ፡ ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም ናብ ከረን ታቦር ከም ዝደየበ ተነግሮ።+ 13  ሽዑ፡ ሲሰራ ንዅሉ ሰረገላታቱን፡—ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን 900 ሰረገላታት፡*—ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ሰራዊትን ካብ ናይ ኣህዛብ ሓሮሼት ናብ ርባ ቂሶን ኣኽተተ።+ 14  ዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ “እታ የሆዋ ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዚህበላ መዓልቲ እዚኣ እያ እሞ፡ ተንስእ። የሆዋ ቐቅድሜኻ ይወጽእዶ የሎን፧” በለቶ። ባራቅ ከኣ 10,000 ሰብኡት እናሰዓብዎ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደ። 15  የሆዋ ድማ ንሲሰራን ንዅሉ ሰረገላታቱን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ሰይፊ ባራቅ ኣሸበሮም።+ ሲሰራ ኸኣ ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ፡ ብእግሩ ሃደመ። 16  ባራቅ ድማ ነቲ ሰረገላታትን ነቲ ሰራዊትን ክሳብ ናይ ኣህዛብ ሓሮሼት ሰጐጎ። ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸኣ ብሰይፊ ወደቐ፣ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+ 17  ኣብ መንጎ ያቢን+ ንጉስ ሓጾርን ቤት ሔበር እቲ ቄናውን ሰላም ነበረ እሞ፡ ሲሰራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ያዔል+ ሰበይቲ ሔበር+ እቲ ቄናዊ ሃደመ። 18  ያዔል ድማ ንሲሰራ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ “ጐይታይ፡ እቶ፡ ናብዚ እቶ። ኣይትፍራህ” በለቶ። ንሱ ኸኣ ናብ ድንኳና ኣተወ፡ ንሳ ድማ ብወጮ ኸደነቶ። 19  ንሱ ድማ፡ “ጸሚአ እየ እሞ፡ በጃኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ” በላ። ንሳ ኸኣ ሓርቢ ጸባ ፈቲሓ ኣስተየቶ፣+ ድሕሪኡ ድማ መሊሳ ኸደነቶ። 20  ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ደው በሊ፣ ዝዀነ ሰብ መጺኡ፡ ‘ኣብዚዶ ሰብኣይ ኣሎ፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱኪ፡ ‘የልቦን’ በሊ” በላ። 21  ያዔል ሰበይቲ ሔበር ግና ሽኻል ድንኳንን ሞደሻን ብኢዳ ወሰደት። ንሱ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ደቂሱን ደኺሙን ከሎ፡ ሰላሕ ኢላ ናብኡ ቐሪባ፡ ነቲ ሽኻል ኣብ መትልሑ ሸኸለቶ፡ ወቒዓ ድማ ናብ ምድሪ ኣእተወቶ፣ ንሱ ኸኣ ሞተ።+ 22  ባራቅ ንሲሰራ ስዒቡ ናብኡ ምስ ከደ፡ ያዔል ክትቅበሎ ወጸት እሞ፡ “እቲ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ከርእየካስ ንዓ” በለቶ። ምስኣ ኸኣ ኣተወ፣ ሲሰራ ሞይቱ ተዘርጊሑ ድማ ረኣየ፣ እቲ ሽኻል እውን ኣብ መትልሑ ነበረ። 23  በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንያቢን ንጉስ ከነኣን ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ኣምበርከኾ።+ 24  ንያቢን ንጉስ ከነኣን ክሳዕ ዜጥፍእዎ፡+ ኢድ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ያቢን ንጉስ ከነኣን እናኸበደት ከደት።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ ሓሮሼት-ሃ-ጎይም።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “900 ሰረገላታት ሓጺን።”
ወይ፡ “ሰብካ ኣውፍር።”
ቃ.ቃ.፡ “900 ሰረገላታት ሓጺን።”