መሳፍንቲ 9:1-57

  • ኣቢሜሌክ ኣብ ሴኬም ነገሰ (1-6)

  • ዮታም እተዛረቦ ምሳልያዊ ዛንታ (7-21)

  • ሕማቕ ኣገዛዝኣ ኣቢሜሌክ (22-33)

  • ኣቢሜሌክ ንሴኬም ኣጥቅዓ (34-49)

  • ሰበይቲ ንኣቢሜሌክ ቀተለቶ (50-57)

9  ኣቢሜሌክ+ ወዲ የሩብበዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸደ፣ ንዓታቶምን ንዅሎም ዓሌት ኣቦሓጎኡን፡*  “በጃኹም ንዅሎም መራሕቲ* ሴኬም፡ ‘ኣየናይ ይሕሸኩም፧ ኵሎም 70 ደቂ የሩብበዓል+ ኪገዝኡኹምዶ፡ ወይስ ሓደ ሰብኣይ ኪገዝኣኩም፧ ኣነ ዓጽምኹምን ስጋኹምን ከም ዝዀንኩ ኸኣ ዘክሩ’ በልዎም” በሎም።  እቶም ኣኮታቱ ድማ እዚ ነገር እዚ ንዅሎም መራሕቲ ሴኬም ተዛረቡሉ፣ ንሳቶም ከኣ “ንሱ ሓውና እዩ” ስለ ዝበሉ፡ ልቦም ንኣቢሜሌክ ናብ ምስዓብ ዘምበለ።  ካብ ቤት* በዓል-በሪት+ ድማ 70 ብሩር ሃብዎ፣ ኣቢሜሌክ ከኣ ብእኡ ገይሩ ንዕኡ ዜሰንይዎ ስራሕ ዘይብሎምን ስድታትን ሰባት ተወዓዓለ።  ናብቲ ኣብ ዖፍራ ዘሎ ቤት ኣቦኡ ኸይዱ፡+ ንኣሕዋቱ ንደቂ የሩብበዓል፡ ን70 ሰብኡት ኣብ ሓደ እምኒ ቐተሎም።+ ዮታም እቲ ሕሳስ ልደ ወዲ የሩብበዓል ግና ተሓቢኡ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ጥራይ ተረፈ።  ኵሎም መራሕቲ ሴኬምን ኵላ ቤት-ሚሎን ድማ ተኣኪቦም ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ዓብዪ ኦም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ሓወልቲ ኣንገስዎ።+  እዚ ንዮታም ምስ ነገርዎ፡ ናብ ርእሲ ኸረን ጌሪዚም ከይዱ፡+ ኣብኡ ደው በለ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ ጨደረ፦ “ኣቱም መራሕቲ ሴኬም፡ ስምዑኒ እሞ፡ ኣምላኽ ኪሰምዓኩም እዩ።  “ሓደ ግዜ፡ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ዝኸዱ ኣእዋም ነበሩ። ንኦም ኣውልዕ ድማ፡ ‘ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።+  እቲ ኦም ኣውልዕ ግና፡ ‘ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜኽብሩሉ ዘይተይዶ* ኽገድፍ እየ፧’ በሎም። 10  ሽዑ፡ እቶም ኣእዋም ንኦም በለስ፡ ‘ንዓ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ። 11  እቲ ኦም በለስ ግና፡ ‘ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፧’ በሎም። 12  እቶም ኣእዋም ድማ ንተኽሊ ወይኒ፡ ‘ንዓ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ። 13  እቲ ተኽሊ ወይኒ ኸኣ፡ ‘ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜሐጕስ ጕዕሽ ወይነይዶ ኽገድፎ እየ፧’ ኢሉ መለሰሎም። 14  ሽዑ፡ ኵሎም ኣእዋም ንኣሻዅ ቈጥቋጥ፡ ‘ንዓ ኣብ ልዕሌና ንገስ’ በልዎ።+ 15  እቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ድማ፡ ‘ንዓይ ብሓቂ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ክኸውን ትቐብኡኒ እንተ ኣለኹም፡ ንዑ ኣብ ትሕቲ ጽላለይ ተማዕቈቡ። እንተ ዘይኰነ ግና፡ ካብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ሓዊ ይውጻእ እሞ፡ ነቲ ቄድሮሳት ሊባኖስ ይብልዓዮ’ በሎም። 16  “ሕጂ፡ ንኣቢሜሌክ ብሓቅን ብቕንዕናን ዲኹም ኣንጊስኩምዎ፧+ ንየሩብበዓልን ንቤተ ሰቡን ጽቡቕ ዲኹም ጌርኩም፧ ከምቲ ግብሪ ኢዱኸ ዲኹም ጌርኩምዎ፧ 17  ኣቦይ ምእንታኹም ኪዋጋእ ከሎ፡+ ካብ ኢድ ሚድያን ኬድሕነኩም ኢሉ ህይወቱ* ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ እዩ።+ 18  ሎሚ ግና፡ ኣንጻር ቤተ ሰብ ኣቦይ ተንሲእኩም ንደቁ፡ ን70 ሰብኡት፡ ኣብ ሓደ እምኒ ቐቲልኩምዎም።+ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ግዝእቱ ኸኣ፡+ ሓውኩም ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሴኬም ኣንጊስኩምዎ። 19  እወ፡ ንየሩብበዓልን ንቤተ ሰቡን ዝገበርኩምዎ ብሓቅን ብቕንዕናን እንተ ዀይኑ፡ ብኣቢሜሌክ ተሓጐሱ፡ ንሱ እውን ብኣኻትኩም ይተሓጐስ። 20  እንተ ዘይኰነ ግና፡ ካብ ኣቢሜሌክ ሓዊ ይውጻእ እሞ፡ ንመራሕቲ ሴኬምን ንቤት-ሚሎን ይብልዓዮም፣+ ካብ መራሕቲ ሴኬምን ካብ ቤት-ሚሎን እውን ሓዊ ይውጻእ እሞ፡ ንኣቢሜሌክ ይብልዓዮ።”+ 21  ሽዑ፡ ዮታም+ ሃዲሙ ናብ ብኤር ኣምለጠ፣ ብሰሪ ሓዉ ኣቢሜሌክ ከኣ ኣብኣ ተቐመጠ። 22  ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰለስተ ዓመት ገዝአ።* 23  ኣምላኽ ከኣ ኣብ መንጎ ኣቢሜሌክን መራሕቲ ሴኬምን ጽልኢ ኸም ዚምዕብል ገበረ፣* ንሳቶም ድማ ንኣቢሜሌክ ጠለምዎ። 24  እዚ ኸኣ እቲ ኣብቶም 70 ደቂ የሩብበዓል እተገብረ ግፍዒ ምእንቲ ኺፍደ፡ ብደሞም ከኣ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን እቶም ንኣሕዋቱ ንምቕታል ዝሓገዝዎ መራሕቲ ሴኬምን ተሓተትቲ ምእንቲ ኪዀኑ እዩ።+ 25  መራሕቲ ሴኬም ድማ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ደባይ ገበሩሉ፣ ንሳቶም ከኣ ብኣታቶም በታ መገዲ ዚሓልፍ ዘበለ ዅሉ ይኸትሩ ነበሩ። እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ። 26  ሽዑ፡ ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን ተሳጊሮም ናብ ሴኬም+ መጹ፣ መራሕቲ ሴኬም ከኣ ብእኡ ተኣመኑ። 27  ናብ ግራውቲ ወፊሮም ድማ ካብ ኣታኽልቲ ወይኖም ፍረ ወይኒ ኣኪቦም፡ ጸሚቖም፡ በዓል ገበሩ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ቤት ኣምላኾም ኣትዮም፡+ በሊዖምን ሰትዮምን ንኣቢሜሌክ ረገምዎ። 28  ጋዓል ወዲ ዔበድ ከኣ፡ “ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፧ ሴኬምከ መን እዩ፧ ወዲ የሩብበዓል ደይኰነን፧+ ዜቡልከ ብዓል መዙ ደይኰነን፧ ንሰብ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ደኣ ተገዝኡ! ንዕኡ ግና ስለምንታይ ኢና እንግዝኦ፧ 29  እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ኢደይ እንተ ዚኸውን፡ ንኣቢሜሌክ ምገልበጥክዎ ነይረ” በለ። ንኣቢሜሌክ ድማ፡ “ሰራዊትካ ኣብዝሕ እሞ፡ ውጻእ” በሎ። 30  ዜቡል መስፍን እታ ኸተማ፡ ዘረባ ጋዓል ወዲ ዔበድ ምስ ሰምዐ፡ ቍጥዓኡ ነደደ። 31  ናብ ኣቢሜሌክ ከኣ ብምስጢር* ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦ “እንሆ፡ ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን ሕጂ ኣብ ሴኬም ኣለዉ፣ ነዛ ኸተማ ኸኣ ኣንጻርካ የለዓዕልዋ ኣለዉ። 32  ሕጂ ድማ፡ ንስኻን ሰብካን ብለይቲ መጺእካ፡ ኣብ መሮር ኣድቢ። 33  ንግሆ ጸሓይ ምስ በረቐት ኣንጊህካ ተንሲእካ፡ ነዛ ኸተማ ኣጥቅዓያ፣ ንሱን ሰቡን ኪጻረሩኻ ምስ ወጹ፡ ንምስዓሩ ዚከኣለካ ዘበለ ግበር።”* 34  ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ብለይቲ ተንሲኦም፡ ኣርባዕተ ጭፍራ ዀይኖም ኣብ ጥቓ ሴኬም ኣድበዩ። 35  ጋዓል ወዲ ዔበድ ወጺኡ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደው ምስ በለ፡ ኣቢሜሌክ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኻብቲ ዘድበዩሉ ተንስአ። 36  ጋዓል ነቲ ህዝቢ ምስ ረኣዮ፡ ንዜቡል፡ “እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርእሲ ኣኽራን ይወርድ ኣሎ” በሎ። ዜቡል ግና፡ “ጽላሎት ኣኽራን እዩ ሰባት መሲሉ ዚርኣየካ ዘሎ” በሎ። 37  ጋዓል ድማ፡ “እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ማእከል እታ ምድሪ ይወርድ ኣሎ፣ ሓደ ጭፍራ ኸኣ ብመገዲ እቲ ዓብዪ ኦም ሜዖነኒም ይመጽእ ኣሎ” በሎ። 38  ዜቡል ከኣ፡ “እቲ፡ ‘ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፧’ ኢልካ እተመካሕካዮ ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧+ እዝስ እቲ ዝነዓቕካዮ ህዝቢ ደይኰነን፧ ሕጂ ወጺእካ ተዋግኣዮም” ኢሉ መለሰሉ። 39  ጋዓል ድማ ንመራሕቲ ሴኬም መሪሕዎም ወጸ እሞ፡ ምስ ኣቢሜሌክ ተዋግአ። 40  ኣቢሜሌክ ከኣ ሰጐጎ፡ ጋዓል እውን ካብኡ ሃደመ፣ ክሳብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ድማ ብዙሓት ተቐቲሎም ወደቑ። 41  ኣቢሜሌክ ከኣ ኣብ ኣሩማ ተቐመጠ፣ ዜቡል+ ድማ ንጋዓልን ንኣሕዋቱን ካብ ሴኬም ሰጐጎም። 42  ንጽብሒቱ፡ እቲ ህዝቢ ናብ ግራውቲ ወጸ፣ እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ተነግሮ። 43  ነቲ ህዝቢ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ እሞ ኣብ መሮር ኣድበየ። እቲ ህዝቢ ኻብታ ኸተማ ኺወጽእ ምስ ረኣየ፡ ኣጥቅዖ፡ ወቕዖ እውን። 44  ኣቢሜሌክን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ጭፍራታቱን ጠኒኖም ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደው በሉ፣ እቶም ክልተ ጭፍራ ኸኣ ንዅሎም እቶም ኣብ ግራውቲ ዝነበሩ ኣጥቅዕዎም፡ ወቕዕዎም እውን። 45  ኣቢሜሌክ ድማ ብምልእቲ እታ መዓልቲ እቲኣ ምስታ ኸተማ ተዋጊኡ ሓዛ። ነቲ ኣብኣ ዝነበረ ህዝቢ ቐቲሉ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ኣፍሪሱ፡+ ጨው ዘርኣላ። 46  ኵሎም እቶም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ መራሕቲ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ናብ ዕርዲ* ቤት* ኤል-በሪት ኣተዉ።+ 47  ኵሎም መራሕቲ ግምቢ ሴኬም ከም እተኣከቡ ንኣቢሜሌክ ምስ ተነግሮ፡ 48  ኣቢሜሌክ ምስ ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ናብ ከረን ጻልሞን ደየበ። ኣቢሜሌክ ድማ ፋስ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ሓደ ጨንፈር ኦም ቈረጸ፣ ኣልዒሉ ኸኣ ኣብ መንኵቡ ገይሩ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ፡ “ከምዚ ኣነ ኽገብሮ ዝረኣኹምኒ፡ ቀልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ!” በሎም። 49  ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ጨጨንፈሩ ቘሪጹ፡ ንኣቢሜሌክ ሰዓቦ። ነቲ ጨናፍር ኣብቲ ዕርዲ ኣንቢሮም ድማ፡ ነቲ ዕርዲ ብሓዊ ኣንደድዎ። ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ሰብ ግምቢ ሴኬም፡ ኣስታት 1,000 ሰብኡትን ኣንስትን፡ ሞቱ። 50  ኣቢሜሌክ ከኣ ናብ ቴቤጽ ከደ፣ ንቴቤጽ ኪጻረራ ኢሉ ድማ ሰፈረ፡ ሓዛ እውን። 51  ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ኸኣ ጽኑዕ ግምቢ ነበረ፣ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ኵሎም መራሕቲ እታ ኸተማን ድማ ናብኡ ሃደሙ። ብውሽጢ ዓጽዮም ከኣ፡ ናብ ናሕሲ እቲ ግምቢ ደየቡ። 52  ኣቢሜሌክ ድማ ናብቲ ግምቢ መጺኡ ኣጥቅዖ። ብሓዊ ኼንድዶ ኸኣ፡ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ግምቢ ቐረበ። 53   ሽዑ፡ ሓንቲ ሰበይቲ መዲድ ሰንድያ፡ ሽክና ርእሱ ጨፍለቐቶ።+ 54  ንሱ ኸኣ ነቲ ኣጽዋሩ ዚጸውር ጊልያ ቐልጢፉ ጸዊዑ፡ “‘ሰበይቲ ቐቲላቶ’ ኸይብሉንስ፡ ሰይፍኻ መሊሕካ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ጊልያኡ እውን ወግኦ፡ ንሱ ኸኣ ሞተ። 55  እቶም ሰብ እስራኤል፡ ኣቢሜሌክ ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩ፡ ኵላቶም ነናብ ቦታኦም ተመልሱ። 56  በዚ ኸምዚ፡ ኣምላኽ ንኣቢሜሌክ፡ ከምቲ ነቶም 70 ኣሕዋቱ ብምቕታል ንኣቦኡ ዝገበሮ እከይ፡ ከምኡ ፈደዮ።+ 57   ኵሉ እከይ ሰብ ሴኬም ድማ፡ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ዮታም+ ወዲ የሩብበዓል+ ከኣ፡ ኣብ ርእሶም በጽሐ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንዅሎም ዓሌት ቤት ኣቦ ኣዲኡን።”
ወይ፡ “ሰብ መሬት” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ወይ፡ “ፍርያምነተይዶ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “ከም መስፍን ኰይኑ ገዝአ።”
ቃ.ቃ.፡ “ክፉእ መንፈስ ሰደደሎም።”
ወይ፡ “ብጕርሒ።”
ወይ፡ “ኢድካ ኽትገብሮ ዝኸኣለት ግበሮ።”
ወይ፡ “ጉባ ዝናሕሱ ህንጻ።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”