መክብብ 6:1-12
6 ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝረኣኽዎ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ከኣ ልሙድ ዝዀነ ኻልእ ዜሕዝን ነገር* ኣሎ፦
2 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽሲ ንሰብ፡ ካብቲ ዚምነዮ ሓንቲ እኳ ኸይጐድሎ፡* ሃብትን ጥሪትን ክብርን ሃቦ፣ ግናኸ፡ ካልእ ብእኡ ዚሕጐስ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽሲ ንዕኡ ብእኡ ኣየሐጕሶን። እዚ ኸኣ ከንቱነትን ከቢድ ወጽዓን እዩ።
3 ሰብ ሚእቲ ሳዕ እኳ እንተ ወለደ፡ ብዙሕ ዓመታት ድማ እንተ ነበረ፡ ዕድሚኡ ኸኣ እንተ ነውሐ፡ ናብ መቓብር ቅድሚ ምብጻሑ ግና በቲ ጽቡቕ ነገራቱ ዘይሕጐስ እንተ ዀነ፡* ካብኡስ ቍላዕ ይሓይሽ እብል ኣለኹ።+
4 እዝስ ብኸንቱ መጺኡ፡ ብጸልማት ድማ ከይዱ፡ ስሙ እውን ብጸልማት ተኸዊሉ እዩ።
5 ጸሓይ እኳ ኸቶ እንተ ዘይረኣየ፡ ዋላ ሓንቲ እውን እንተ ዘይፈለጠ፡ ካብቲ ቐዳማይሲ ንሱ ይሓይሽ።*+
6 ከይተሓጐስካ ኽልተ ሳዕ ሸሽሕ ዓመት ብህይወት ምንባርሲ እንታይ ይጠቅም፧ ኵሎም ናብ ሓደ ቦታ ደይኰኑን ዚኸዱ፧+
7 ኵሉ ጻዕሪ ሰብ፡ ኣፉ ንምምላእ እዩ፣+ ግናኸ፡ ሸውሃቱ ኸቶ ኣይጸግብን።*
8 ጥበበኛስ ካብ ዓሻ እንታይ ብልጫ ኣለዎ፧+ ድኻ ኸመይ ገይሩ ብህይወት ከም ዚነብር* ምፍላጡኸ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
9 ብትምኒት ካብ ምቕብዝባዝሲ፡* ኣዒንቲ ብዚርእያኦ ምሕጓስ ይሓይሽ። እዚ እውን ከንቱነት፡ ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ።
10 እቲ ዝዀነ ዘበለ፡ ድሮ ተሰምዩ እዩ፣ እንታይነት ሰብ እውን ፍሉጥ እዩ፣ ምስቲ ኻብኡ ዚሕይል ድማ ኪብኣስ* ኣይክእልን እዩ።
11 ቃላት* ምስ ዚበዝሕ፡ ከንቱነት ይበዝሕ፣ ንሰብከ እንታይ ጥቕሚ የምጽኣሉ፧
12 ንሰብሲ ኣብተን ከም ጽላሎት ዜሕልፈን ሒደት መዓልትታት እታ ኸንቱ ህይወቱ እንታይ ኪገብር ከም ዚሕሾ መን ይፈልጥ፧+ ንሰብሲ ንሱ ምስ ከደ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እንታይ ከም ዚኸውን መን ኪነግሮ ይኽእል፧
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “መዓት።”
^ ወይ፡ “ንነፍሱ ሓንቲ እኳ ኸይጐድላ።”
^ ወይ፡ “ግናኸ፡ ነፍሱ ብጽቡቕ እንተ ዘይጸገበት፡ መቓብር እውን ናቱ እንተ ዘይኰነ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ዝበለጸ ዕረፍቲ ኣለዎ።”
^ ወይ፡ “ነፍሱ ኸቶ ኣይትጸግብን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ቀቅድሚ ህያዋን ከም ዚኸይድ።”
^ ወይ፡ “ካብ ምዅብላል ነፍስስ።”
^ ወይ፡ “ኪማጐት።”
^ ወይ፡ “ነገራት” ኪኸውን ይኽእል።