መክብብ 7:1-29
7 ካብ ጽቡቕ ዘይትስ ጽቡቕ ስም ይሓይሽ፣*+ ካብ መዓልቲ ልደት ድማ መዓልቲ ሞት ይሓይሽ።
2 እዚ መወዳእታ ዅሉ ሰብ እዩ፡ ህያዋን ከኣ ኣብ ልቦም ኬንብርዎ ኣለዎም እሞ፡ ናብ ቤት ድግስ ካብ ምኻድሲ፡ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሓይሽ።+
3 ጓሂ ገጽሲ ንልቢ ዝሓሸ ይገብሮ እዩ እሞ፡+ ካብ ሰሓቕሲ ጭንቂ ይሓይሽ።+
4 ልቢ ጥበበኛታት ኣብ ቤት ሓዘን እዩ፣ ልቢ ዓያሹ ግና ኣብ ቤት ሓጐስ* እዩ።+
5 ደርፊ ዓያሹ ኻብ ምስማዕሲ፡ መግናሕቲ ጥበበኛ ምስማዕ ይሓይሽ።+
6 ከምቲ ኣብቲ ትሕቲ ቝራዕ ዚነድድ እሾዅ ጣዕጣዕ ዚብልሲ፡ ሰሓቕ ዓሻ እውን ከምኡ እዩ፣+ እዚ እውን ከንቱነት እዩ።
7 ጭቈና ግና ንጥበበኛ ኼጸልሎ ይኽእል፣ ጉቦ ድማ ልቢ የበላሹ።+
8 ካብ መጀመርታ ነገርሲ መወዳእታኡ ይሓይሽ። ዕቡይ ዝመንፈሱ ኻብ ምዃንሲ ዕጉስ ምዃን ይሓይሽ።+
9 ኵራ ኣብ ሕቝፊ ዓያሹ እዩ ዚሓድር እሞ፡*+ ንዅራ* ኣይትተሃወኽ።+
10 “ስለምንታይ እየን ካብዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሕሻ፧” ኣይትበል፣ እዝስ ብጥበብ ኣይኰንካን እትሓትቶ ዘለኻ።+
11 ጥበብ ምስ ርስቲ ጽብቕቲ እያ፣ ነቶም ብርሃን መዓልቲ ዚርእዩ* ድማ፡ ጥቕሚ ኣለዋ።
12 ከመይሲ፡ ከምቲ ገንዘብ ዕቝባ ዚኸውን፡+ ጥበብ እውን ዕቝባ እያ፣+ ጥቕሚ ፍልጠት ግና እዚ እዩ፦ ጥበብ ንዋናኣ ብህይወት ተንብሮ።+
13 ንግብሪ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ርኣዮ፣ ነቲ ንሱ ዘቕነኖስ መን ኬቕንዖ ይኽእል፧+
14 ብሰናይ መዓልቲ፡ ሰናይ ግበር፣+ ብመዓልቲ መከራ* ግና፡ ኣምላኽሲ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዚዀንዎ ነገር ርግጸኛታት ምእንቲ ኸይኰኑ* ኢሉ፡+ ነዝን ነትን ከም ዝገበሮ ሕሰብ።+
15 ኣብቲ ኸንቱ ህይወተይ፡+ ኵሉ ነገር፡ ማለት ካብቲ ብጽድቁ ዚጠፍእ ጻድቕ+ ክሳዕ እቲ ኽፉእ ክነሱ ነዊሕ ዚነብር እኩይ ርእየ እየ።+
16 እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን፣+ ንርእስኻ እውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበራ።+ ስለምንታይ ርእስኻ እተጥፍእ፧+
17 እምብዛ እኩይ ኣይትኹን፣ ዓሻ እውን ኣይትኹን።+ ስለምንታይ ቅድሚ ግዜኻ እትመውት፧+
18 ሓደ መጠንቀቕታ ኸይፈኖኻ፡ ነቲ ሓደ እንተ ሓዝካ ይሓይሽ፣+ እቲ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ክልቲኡ ይሰምዕ እዩ።
19 ኣብ ከተማ ኻብ ዘለዉ ዓሰርተ ብርቱዓትሲ፡ ጥበብ ንጥበበኛ ተሐይሎ።+
20 ወትሩ ጽቡቕ ዚገብርን ከቶ ዘይሓጥእን ጻድቕሲ ኣብ ምድሪ የልቦን።+
21 ሰባት ዚብልዎ ዅሉ ቓል ኣብ ልብኻ ኣይተሕድር፣+ እንተ ዘይኰነስ፡ ጊልያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኽትሰምዕ ኢኻ፣
22 ንስኻ ባዕልኻ እውን ብዙሕ ሳዕ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ፡ ልብኻ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።+
23 ነዚ ዅሉ ብጥበብ ፈተንክዎ፣ “ጥበበኛ ክኸውን እየ” ድማ በልኩ። ንሳ ግና ልዕሊ ዓቕመይ እያ።
24 እቲ ዝዀነ ነገር፡ ልዕሊ ዓቕመይን ኣዝዩ ዓሚቝን እዩ። መንከ ኺርድኦ ይኽእል፧+
25 ኣነ ድማ ጥበብን ምኽንያት ነገርን ክፈልጥን ክምርምርን ክደልን ኢለ፡ ክፍኣት ድንቍርናን ዕሽነት ጽላለን እውን ክርዳእ ኢለ ልበይ ኣቕናዕኩ።+
26 ሽዑ፡ እዚ ረኸብኩ፦ ካብ ሞትሲ እታ ኸም መርበብ ሃዳናይ ዝዀነት፡ ልባ ድማ ከምቲ ንምግፋፍ ዜገልግል መርበብ ዝዀነ፡ ኣእዳዋ ኸኣ ከም ሰንሰለት ማእሰርቲ ዝዀና ሰበይቲ ትመርር። እቲ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኻብኣ የምልጥ፣+ ሓጥእ ግና ብእኣ ይተሓዝ።+
27 እቲ ኣካቢ+ ድማ፡ “እንሆ፡ እዚ ረኺበ” በለ። “ናብ መደምደምታ ኽበጽሕሲ፡ በብሓደ መርሚረ፣
28 ነቲ ብቐጻሊ ዝደለኽዎ ግና ኣይረኸብክዎን።* ካብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ* ረኺበ፣ ኣብ መንጎኦም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን።
29 እዚ ጥራይ ከኣ ረኺበ፦ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ገበሮ፣+ ንሳቶም ግና ናይ ባዕሎም ብዙሕ ውጥናት ደለዩ።”+
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ካብ ጽቡቕ ዘይትስ ስም ይሓይሽ።”
^ ወይ፡ “መዘናግዒ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብመንፈስካ ንዅራ።”
^ ወይ፡ “መለለዪ ዓሻ እዩ እሞ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ማለት፡ ንህያዋን።
^ ወይ፡ “ምእንቲ ኸይፈልጡ።”
^ ወይ፡ “መዓት።”
^ ወይ፡ “ነቲ ነፍሰይ ብቐጻሊ ዝደለየቶ ግና ኣይረኸበቶን።”
^ ወይ፡ “ቅኑዕ ሰብኣይ።”