መዝሙር 1:1-6
1 ብምኽሪ እኩያት ሰባት ዘይመላለስ፡ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፡+ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ ሰብ ሕጉስ እዩ።+
2 ንሱ ብሕጊ የሆዋ ደኣ ይድሰት፣+ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን ብትሕቲ መልሓሱ የንብቦ።*+
3 ንሱ ኸምታ ፍሪኣ በብግዜኣ እተፍሪ፡ኣቝጽልታ ኸኣ ዘይጽምሉ፡ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን።
ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ።+
4 እኩያት ከምኡ ኣይኰኑን፣ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቝቡቝ ደኣ እዮም።
5 ስለዚ እዮም እኩያት ኣብ ፍርዲ፡+ሓጥኣን እውን ኣብ ኣኼባ ጻድቃን ዘይቈሙ።+
6 ከመይሲ፡ የሆዋ ንመገዲ ጻድቃን ይፈልጣ እዩ፣+መገዲ እኩያት ግና ክትጠፍእ እያ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “የስተንትነሉ።”