መዝሙር 103:1-22
ናይ ዳዊት።
103 ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ፣ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉ እውን፡ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይወድስ።
2 ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ፣ኵሉ እቲ እተገብረልኪ ድማ ኣይትረስዒ።+
3 ንሱ ንዅሉ ስሕተትኪ ይቕረ ይብለልኪ፡+ካብ ኵሉ ሕማምኪ ኸኣ የሕውየኪ።+
4 ንህይወትኪ ኻብ ጕድጓድ* ይብጀዋ፣+በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ብምሕረቱን ድማ ኣኽሊል ይገብረልኪ።+
5 ንእስነትኪ ኸም ናይ ንስሪ ምእንቲ ኺሕደስሲ፡+ምሉእ ህይወትኪ ብጽቡቕ የጽግበኪ።+
6 የሆዋ ንዅሎም ጭቍናት፡+ጽድቅን ፍትሕን ይገብር።+
7 መገድታቱ ንሙሴ፡+ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።+
8 የሆዋ መሓርን ርሕሩሕን፡*+ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እዩ።+
9 ወትሩ ጕድለት ኣይኣርን፡+ንዘለኣለም እውን ኣይቅየምን እዩ።+
10 ከም ሓጢኣትና ኣይገበረናን፡+ከም መጠን ስሕተትና ኣይፈደየናን።+
11 ሰማያት ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብልሲ፡እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ኣብቶም ዚፈርህዎ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ።+
12 ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ንኣበሳና ኻባና ኣዝዩ ኣርሒቕዎ።+
13 ከምቲ ኣቦ ንደቁ ዚምሕሮም፡የሆዋ ንዚፈርህዎ ምሒርዎም።+
14 ከመይ ከም እተገበርናስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ፡+ሓመድ ምዃንና ኸኣ ይዝክር እዩ።+
15 መዋቲ ሰብሲ፡ መዓልትታቱ ኸም ናይ ሳዕሪ እዩ፣+ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።+
16 ንፋስ ምስ ነፈሰ ግና፡ ንሳ ኣይትህሉን፣ከቶ ኸም ዘይነበረት እውን ትኸውን።*
17 እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ግና፡ኣብቶም ዚፈርህዎ ንዘለኣለመ ኣለም እዩ፣+ጽድቁ ድማ ንደቂ ደቆም እዩ፣+
18 እወ፡ ኣብቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፡+ኣብቶም ንትእዛዛቱ ተጠንቂቖም ዚሕልዉ እዩ።
19 የሆዋ ንዝፋኑ ኣብ ሰማያት ኣጽኒዕዎ ኣሎ፣+ንግስናኡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ይገዝእ እዩ።+
20 ኣቱም መላእኽቱ ዅልኹም፡+ ኣቱም ብርቱዕ ዝሓይልኹም፡ኣቱም ንድምጹ ተኣዚዝኩም ቃሉ እትፍጽሙ፡*+ ንየሆዋ ወድስዎ።
21 ኣቱም ሰራዊቱ ዅልኹም፡+ኣቱም ፍቓዱ እትገብሩ ኣገልገልቱ፡+ ንየሆዋ ወድስዎ።
22 ኣቱም ግብርታቱ ዅልኹም፡ኣብ ኵሉ ቦታታት ግዝኣቱ* ንየሆዋ ወድስዎ።
ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “መቓብር።”
^ ወይ፡ “ጸጋውን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ቦታኣ ደጊም ኣይትፈልጣን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ድምጺ ቓሉ እትሰምዑ።”
^ ወይ፡ “ልዕልናኡ።”