መዝሙር 104:1-35

  • ንኣምላኽ ስለቲ መስተንክር ፍጥረታቱ ምውዳስ

    • ምድሪ ንዘለኣለም ትነብር (5)

    • ወይንን እንጌራን ንመዋቲ ሰብ (15)

    • “ግብርታትካስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ!” (24)

    • “መንፈሶም እንተ ወሲድካ፡ ይሞቱ” (29)

104  ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ።+ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ንስኻ ኣዚኻ ዓብዪ ኢኻ።+ ክብርን ግርማን ዝለበስካ ኢኻ።+  2  ንብርሃን ከም ክዳን እተጐልበብካ ኢኻ፣+ንሰማያት ከም ዓለባ ድንኳን ትዝርግሖ።+  3  ንሱ፡ ኣግማል ደርብታቱ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ማያት* የንብር፣+ንደበናታት ሰረገላኡ ይገብሮ፣+ኣብ ኣኽናፍ ንፋስ ይጕዓዝ።+  4  መላእኽቱ መናፍስቲ፡ኣገልገልቱ እውን ዚባላዕ ሓዊ ይገብር።+  5  ንምድሪ ኣብ መሰረታታ ሰረታ፣+ንዘለኣለመ ኣለም ካብ ቦታኣ ኣይትነቓነቕን* እያ።+  6  ከም ብልብሲ ብመዓሙቝ ማያት ከደንካያ።+ ማያት ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ቈሙ።  7  ብመግናሕትኻ ሃደሙ፣+ብደሃይ ነጕድኻ ብስምባድ ጐየዩ፣  8  እወ፡ ናብቲ ዝሰረትካሎም ቦታ ኸዱ፣ኣኽራን ክብ በሉ፡+ ስንጭሮታት ድማ ለጠቕ በሉ።  9  ንምድሪ ኸም ብሓድሽ ከይከድንዋስ፡ዘይሓልፍዎ ደረት ገበርካሎም።+ 10  ንሱ ናብ ስንጭሮታት፡* ዓይኒ ማያት ሰደደ፣ኣብ መንጎ ኣኽራን ከኣ ይውሕዝ። 11  ንዅሉ እንስሳ መሮር የስትዮ፣ኣእዱግ በረኻ ይረውዩሉ። 12  ኣብ ልዕሊኡ ኣዕዋፍ ሰማይ ይሰፍራ፣ካብ መንጎ እቲ ልሙዕ ጨናፍር ከኣ ይዝምራ። 13  ንሱ ንኣኽራን ካብ ደርብታቱ የስትዮ።+ ምድሪ ብፍረ ተግባራትካ ትጸግብ።+ 14  ካብ ምድሪ ምግቢ ኼብቍልሲ፡ሳዕሪ ንኸብቲ፡ኣትክልቲ ድማ ንጥቕሚ ሰብ የብቍል፣+ 15  ወይኒ ኸኣ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ፡+ዘይቲ ድማ ንገጹ ኼብርሆ፡እንጌራ እውን ንልቢ መዋቲ ሰብ ኬጽንዖ ኢሉ ኸምኡ ይገብር።+ 16  ኣእዋም የሆዋንእቲ ንሱ ዝተኸሎ ቄድሮሳት ሊባኖስን ይጸግብ፣ 17  ኣብኡ ኣዕዋፍ ሰፈረን ይሰርሓ። ቤት ራዛ+ ኣብ ኣእዋም ጽሕዲ* እዩ። 18  ነዋሕቲ ኣኽራን ንወይጠላት እዩ፣+ኣኻውሕ ድማ መዕቈቢ ጊሐታት እዩ።+ 19  ወርሒ ንምልክት ምዱብ ግዜያት ገበራ፣ጸሓይ ከኣ መዓስ ከም እትዓርብ ኣጸቢቓ ትፈልጥ እያ።+ 20  ንስኻ ጸልማት ተምጽእ፡ ለይቲ እውን ይኸውን፣+ሽዑ፡ ኵሎም እንስሳታት ዱር ይዛወሩ። 21  ሽደናት ኣናብስ ግዳይ ደልዮም ይጓዝሙ፣+ካብ ኣምላኽ ድማ ምግቦም ይደልዩ።+ 22  ጸሓይ ምስ በረቐት፡ይምለሱ፡ ኣብ መሕብኢኦም እውን ይድቅሱ። 23  ሰብ ናብ ዕዮኡ ይኸይድ፣ክሳዕ ምሸት ድማ ይሽቅል። 24  ኦ የሆዋ፡ ግብርታትካስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ!+ ንዅሉ ብጥበብ ጌርካዮ።+ ምድሪ ብተግባርካ መሊኣ ኣላ። 25  ቍጽሪ ዘይብሎም ንኣሽቱን ዓበይትን ህያዋን ዝመልእዎዓብይን ሰፊሕን ባሕሪ እንሆ።+ 26  ኣብኡ መራኽብ ይጕዓዛ፣እቲ ዝገበርካዮ ሌዋታን*+ ከኣ ኣብኡ ይጻወት። 27  ምግቦም በብግዜኡ ኽትህቦምሲ፡ኵሎም ንዓኻ ይጽበዩ።+ 28  እትህቦም ዘበለ ይእክቡ።+ ኢድካ ምስ ከፈትካ፡ ብጽቡቕ ነገር ይጸግቡ።+ 29  ገጽካ ምስ ሓባእካ፡ ይርበሹ። መንፈሶም እንተ ወሲድካ፡ ይሞቱ፡ ናብ ሓመድ እውን ይምለሱ።+ 30  መንፈስካ እንተ ልኢኽካ፡ ይፍጠሩ፣+ንገጽ ምድሪ ድማ ትሕድሶ። 31  ክብሪ የሆዋ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። የሆዋ ብግብርታቱ ኺሕጐስ እዩ።+ 32  ንምድሪ ይጥምታ፡ ንሳ ድማ ራዕራዕ ትብል፣ንኣኽራን ይትንክዮም፡ ንሳቶም ከኣ ይተክኩ።+ 33  ምሉእ ህይወተይ፡ ንየሆዋ ኽዝምረሉ እየ፣+ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፡ ንኣምላኸይ ውዳሰ ኽዝምረሉ* እየ።+ 34  ሓሳባተይ ንዕኡ ባህ የብሎ።* ብየሆዋ ኽሕጐስ እየ። 35  ሓጥኣን ካብ ምድሪ ኺጠፍኡ እዮም፣እኩያት እውን ኣይኪህልዉን እዮም።+ ነፍሰየ፡* ንየሆዋ ወድስዮ። ንያህ ወድስዎ!*

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ማያት።”
ወይ፡ “ሰንከልከል ኣይትብልን።”
ወይ፡ “ርባታት።”
ወይ፡ “ተርሚን።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ከዚመሉ።”
ወይ፡ “እቲ ብዛዕባኡ ዘስተንትኖ፡ ባህ ዜብል ይኹን” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።