መዝሙር 11:1-7

  • ኣብ የሆዋ ምምዕቋብ

    • “የሆዋ ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ” (4)

    • ኣምላኽ፡ ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ይጸልኦ (5)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። 11  ኣብ የሆዋ ተማዕቊበ ኣለኹ።+ ከመይ ጌርኩም ደኣ ኸምዚ እትብሉኒ፦* “ከም ዑፍ ናብ ከረን ህደም!  2  እኩያት ከመይ ገይሮም ቀስቶም ከም ዚግትሩ ርአ፣ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ካብ ጸልማት ኪውርውሩሎምሲ፡ንፍላጻኦም ኣብ ኣውታር ቀስቶም ይገብርዎ።  3  መሰረታት* ምስ ፈረሰ፡ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧”  4  የሆዋ ኣብ ቅድስቲ ቤተ መቕደሱ እዩ።+ ዝፋን የሆዋ ኣብ ሰማያት እዩ።+ ኣዒንቱ ይጥምታ፡ ትኵራት* ኣዒንቱ ንደቂ ሰብ ይምርምራኦም።+  5  የሆዋ ንጻድቕ ኰነ ንእኩይ ይምርምሮ፣+ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ኸኣ ይጸልኦ።*+  6  ኣብ ልዕሊ እኩይ፡ መጻወድያታት* የዝንም፣ግደ ጽዋኦም ሓውን ዲንን+ ዚምሽሉቝ ንፋስን ኪኸውን እዩ።  7  ከመይሲ፡ የሆዋ ጻድቕ እዩ፣+ ጽድቂ ድማ ይፈቱ እዩ።+ ቅኑዕ ከኣ ገጹ ኺርኢ* እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነፍሰይ ከምዚ እትብልዋ።”
ወይ፡ “መሰረታት ፍትሒ።”
ወይ፡ “ብሩሃት።”
ወይ፡ “ነፍሱ ትጸልኦ።”
ወይ፡ “ጓህሪ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሞገሱ ኺረክብ።”