መዝሙር 121:1-8

  • የሆዋ ንህዝቡ ይሕልዎም

    • ‘ረድኤተይ ካብ የሆዋ እዩ’ (2)

    • የሆዋ ኸቶ ኣይድቅስን (3, 4)

መዝሙር ምድያብ። 121  ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን አልዕል ኣለኹ።+ ረድኤተይ ካበይ እዩ ዚመጽእ፧  2  ረድኤተይሲ ኻብ የሆዋ፡+ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እዩ ዚመጽእ።  3  ንሱ እግርኻ ኼንደልህጽ* ከቶ ኣይኪፈቅድን እዩ።+ እቲ ዚሕልወካ ኸቶ ኣይታኸስን እዩ።  4  እንሆ፡ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ፡ከቶ ኣይታኸስን፡ ኣይድቅስን እውን እዩ።+  5  የሆዋ ይሕልወካ ኣሎ። የሆዋ ኣብ የማንካ+ ጽላልካ እዩ።+  6  ጸሓይ ብመዓልቲ፡ወርሒ እውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ።+  7  የሆዋ ኻብ ኵሉ ጕድኣት ኪሕልወካ እዩ።+ ንህይወትካ* ኺሕልዋ እዩ።+  8  የሆዋ ኻብ ሕጂ ንዘለኣለም፡ኣብ እትገብሮ ዅሉ* ኺሕልወካ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰንከልከል ኪብል።”
ወይ፡ “ንነፍስኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ምውጻእካን ምእታውካን።”