መዝሙር 127:1-5
መዝሙር ምድያብ። ናይ ሰሎሞን።
127 የሆዋ ንቤት እንተ ዘይሃኒጽዋ፡ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩላ።+
የሆዋ ንኸተማ እንተ ዘይሓልይዋ፡+ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።
2 ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፡ኣምሲኹም ምድቃስኩም፡ንእንጌራ ምጽዓርኩም ከንቱ እዩ፣ንሱስ ንፍቑራቱ ድቃስ ሂብዎም ከሎ እውን ይናብዮም እዩ።+
3 እንሆ፡ ውሉዳት ካብ የሆዋ እተዋህቡ ርስቲ እዮም፣+ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።+
4 ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻታት፡ውሉዳት ንእስነት ከምኡ እዮም።+
5 ጕልድባኡ ብኣታቶም ዝመልአ ሰብኣይ ሕጉስ እዩ።+
ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ምስ ጸላእቲ ኺዛረቡ እዮም እሞ፡ኣይኪሓፍሩን እዮም።