መዝሙር 136:1-26

  • የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንዘለኣለም ይነብር እዩ

    • ንሰማይን ንምድርን ብኽእለት ገበሮ (5, 6)

    • ፈርኦን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሞተ (15)

    • ኣምላኽ ንእተደቝሱ ይዝክር (23)

    • ንዅሉ ህያው ይምግብ (25)

136  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ፡+ንሱ ድማ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ፣+  2  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣመስግንዎ።+  3  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንጐይታ ጐይተት ኣመስግንዎ።  4  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡+ንሱ በይኑ ዓበይቲ ድንቂ ነገራት ይገብር እዩ።+  5  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንሰማያት ብኽእለት* ገበሮ።+  6  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንምድሪ ኣብ ልዕሊ ማያት ዘርግሓ።+  7  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ።+  8  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንጸሓይ ብመዓልቲ ኽትገዝእ ገበራ።+  9  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንወርሕን ንኸዋኽብትን ብለይቲ ኺገዝኡ ገበሮም።+ 10  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡በዅሪ ግብጺ ወቕዐ።+ 11  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንእስራኤል ካብ ማእከሎም ኣውጽኦ።+ 12  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ብሓያል ኢድን+ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ከምኡ ገበረ። 13  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቐሎ።+ 14  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንእስራኤል ብማእከሉ ኣሕለፎ።+ 15  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንፈርኦንን ንሰራዊቱን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ደርበዮም።+ 16  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንህዝቡ ብበረኻ ኣቢሉ መርሖም።+ 17  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ዓበይቲ ነገስታት ወቕዐ።+ 18  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ሓያላት ነገስታት ቀተለ። 19  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያን ቀተሎ። 20  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንዖግ+ ንጉስ ባሳን ቀተሎ። 21  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ምድሮም ርስቲ ገይሩ ሃበ።+ 22  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንጊልያኡ እስራኤል ኣረስተዮ። 23  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡+ተዋሪድና ኸለና ዘከረና።+ 24  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ካብ ተጻረርትና ብተደጋጋሚ ኣናገፈና።+ 25  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንዅሉ ህያው* ይምግብ እዩ።+ 26  ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ንኣምላኽ ሰማያት ኣመስግንዎ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰናይ።”
ወይ፡ “ብኣእምሮ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስጋ።”