መዝሙር 138:1-8

  • ኣምላኽ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓላዪ እዩ

    • ‘ጸሎተይ መሊስካለይ’ (3)

    • ‘ካብ ማእከል ሓደጋ እኳ ኣናጊፍካኒ’ (7)

ናይ ዳዊት። 138  ብምሉእ ልበይ ክውድሰካ እየ።+ ኣብ ገጽ ኣማልኽቲ፡ውዳሰ ኽዝምር እየ።*  2  ንቓልካን ንስምካን ኣብ ልዕሊ ዅሉ* ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ስለቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ተኣማንነትካን፡ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ፡+ንስምካ ኸኣ ክውድሶ እየ።+  3  በታ ዝጸዋዕኩኻ መዓልቲ መሊስካለይ፡+ኣትቢዕካንን* ኣበርቲዕካንን ኢኻ።+  4  ኦ የሆዋ፡ ዘተስፎኻዮ ተስፋታት ኪሰምዑ እዮም እሞ፡ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኺውድሱኻ እዮም።+  5  ክብሪ የሆዋ ዓብዪ እዩ እሞ፡+ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ኺዝምሩ እዮም።  6  የሆዋ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ንትሑት የስተብህለሉ፣+ንዕቡይ ግና ካብ ርሑቕ ጥራይ እዩ ዚፈልጦ።+  7  ብማእከል ሓደጋ እኳ እንተ ኸድኩ፡ ንስኻ ብህይወት ከተንብረኒ ኢኻ።+ ኣንጻር ቍጥዓ ጸላእተይ ኢድካ ትዝርግሕ፣የማነይቲ ኢድካ ኸተድሕነኒ እያ።  8  የሆዋ፡ ኵሉ ነገር ኪፍጽመለይ እዩ። ኦ የሆዋ፡ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ንዘለኣለም ይነብር እዩ፣+ንግብርታት ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣንጻር ኣማልኽቲ ዀይነ፡ ከዚመልካ እየ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንቓልካ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስምካ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣትቢዕካያን።”