መዝሙር 139:1-24

  • ኣምላኽ ንገላዉኡ ኣጸቢቑ ይፈልጦም

    • ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዚሃድም የልቦን (7)

    • ‘ድንቂ ዀይነ ተፈጢረ እየ’ (14)

    • ‘ድቂ ኸለኹ ርኢኻኒ’ (16)

    • ‘ብመገዲ ዘለኣለም ምርሓኒ’ (24)

ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። መዝሙር። 139  ኦ የሆዋ፡ ውሽጠይ ፈቲሽካንን ፈሊጥካንን።+  2  ንምቕማጠይን ንምትንሳአይን ትፈልጦ።+ ንሓሳባተይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ።+  3  ንጕዕዞይን ንበጥ ምባለይን ትዕዘቦ፣*ንዅሉ መገድታተይ ድማ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ።+  4  ኦ የሆዋ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ ልሳነይ ከየላስ፡እንሆ፡ ኣጸቢቕካ ትፈልጣ ኢኻ።+  5  ብድሕረይን ብቕድመይን ከቢብካኒ፣ኢድካ እውን ኣብ ልዕለይ ኣንቢርካ።  6  እዚ ፍልጠት እዚ ንምርዳኡ ልዕሊ ዓቕመይ* እዩ። ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ እውን ክበጽሖ ኣይክእልን እየ።*+  7  ካብ መንፈስካ ናበይ ከምልጥ እኽእል፧ ካብ ገጽካኸ ናበይ ክሃድም እኽእል፧+  8  ናብ ሰማይ እንተ ዝድይብ፡ ንስኻ ኣብኡ ምሃለኻ፣ኣብ መቓብር* ዓራተይ እንተ ዘንጽፍ እውን፡ እንሆ፡ ንስኻ ኣብኡ ምሃለኻ።+  9  ኣብ ወሰን ባሕሪ ኽነብር ኢለ፡ብኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ዝነፍር፡ 10  ኣብኡ እኳ ኢድካ ምመርሓትኒ፡የማነይቲ ኢድካ እውን ምሓዘትኒ።+ 11  “ብርግጽ ጸልማት ኪኽውለኒ እዩ!” እንተ ዝብል፡እቲ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ለይቲ፡ ብርሃን ምዀነ። 12  ንዓኻስ ጸልማት እኳ ኣይምጸልመተካን፣የግዳስ፡ ለይቲ ኸም መዓልቲ ምበርሃልካ፣+ንዓኻስ ጸልማት ከም ብርሃን እዩ።+ 13  ንስኻስ ንዀላሊተይ ጌርካየን፡ኣብ ማሕጸን ኣደይ ድማ ጋሪድካኒ።*+ 14  መስተንክርን ድንቅን ኰይነ ተፈጢረ እየ እሞ ኽውድሰካ እየ።+ ግብርታትካ ድንቂ እዩ፣+ነዚ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ።* 15  ብምስጢር ምስ ተገበርኩ፡ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ምስ ተኣለምኩ፡ኣዕጽምተይ ካባኻ ኣይተሓብኣን።+ 16  ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸለኹ እኳ ርእየናኒ፣ሓዲኡ እኳ ኸይሃለወ፡ኵሉ እቲ ኣካላት ብዛዕባ እተሰርሓሉ መዓልትታትኣብ መጽሓፍካ ተጻሒፉ ነይሩ፣ 17  ሓሳባትካ ንዓይ ክንደይ ኰን ክቡር እዩ!+ ኦ ኣምላኽ፡ ድምሩስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ!+ 18  ክቘጽሮ እንተ ፈቲነ፡ ካብ ሑጻ ይበዝሕ።+ ምስ ነቓሕኩ፡ ገና ምሳኻ እየ።*+ 19  ኦ ኣምላኽ፡ ንእኩይ እባ እንተ ትቐትሎ!+ ሽዑ፡ ዓመጽቲ* ሰባት ካባይ ምረሓቑ፣ 20  ንሳቶም ብኽፉእ ሓሳብ* ኣንጻርካ ይዛረቡ፣ንሳቶም ስምካ ብኸንቱ ዜልዕሉ ተጻረርትኻ እዮም።+ 21  ኦ የሆዋ፡ ነቶም ዚጸልኡኻስ ኣይጸልኦምንዶ፧+ ነቶም ካባኻ ዚዓልዉኸ ኣይፍንፍኖምንዶ፧+ 22  ፈጺመ እጸልኦም እየ፣+ናይ ሓቂ ጸላእቲ ዀይኖምኒ ኣለዉ። 23  ኦ ኣምላኽ፡ ውሽጠይ ፈትሽ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ።+ መርምረኒ፡ ዜጨንቐኒ* ሓሳባተይ ድማ ፍለጥ።+ 24  ጐዳኢ መገዲ እንተ ኣልዩኒ ርአ፣+ብመገዲ ዘለኣለም ከኣ ምርሓኒ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ትልክዖ።”
ወይ፡ “እምብዛ ዜገርም።”
ወይ፡ “ንምግንዛቡ እምብዛ ይበዝሓኒ እዩ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ብሓደ ኣሊምካኒ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነዚ ነፍሰይ ኣጸቢቓ ትፈልጦ እያ።”
ወይ፡ “ገና ምቘጸርክዎ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዕዳ ደም ዘለዎም።”
ወይ፡ “ከም ሓሳቦም።”
ወይ፡ “ዚርብሸኒ።”