መዝሙር 141:1-10

  • ዕቝባ ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

    • ‘ጸሎተይ ከም ዕጣን ይኹን’ (2)

    • መግናሕቲ ጻድቕ ከም ዘይቲ (5)

    • እኩያት ናብ መርበቦም ይወድቁ (10)

ናይ ዳዊት መዝሙር። 141  ኦ የሆዋ፡ እጽውዓካ ኣለኹ።+ ቀልጢፍካ ንዓ እሞ ርድኣኒ።+ ክጽውዓካ ኸለኹ ኣቕልበለይ።+  2  ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እተዳለወ ዕጣን ይኹን፣+እተላዕላ ኣእዳወይ ከኣ ከም ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽሊ ይኹና።+  3  ኦ የሆዋ፡ ንኣፈይ ዘብዐኛ ግበረሉ፣ንኣፍ ደገ ኸናፍረይ ሓላዊ ግበረሉ።+  4  ምስ እኩያት ሰባት ኰይነ እኩይ ተግባራት ከይገብርሲ፡ንልበይ ናብ ክፍኣት ኪዝምብል ኣይትሕደጎ፣+ኣነ እውን እቲ ጥዑም ምግቦም ኣይብላዕ።  5  ጻድቕ እንተ ዚወቕዓኒ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ምዀነ፣+እንተ ዚገንሓኒ፡ ኣብ ርእሰይ ከም ዘይቲ ምዀነ፣+ርእሰይ እውን ከቶ ኣይምኣበዮን።+ ብግዜ መዓቶም እኳ ገና ኽጽሊ እየ።  6  ፈረድቶም እኳ ኻብ ጸድፊ እንተ ጸደፉ፡ቃላተይ ባህ ዜብል ብምዃኑ፡ ሰባት ኬቕልቡሉ እዮም።  7  ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚሓርሳን ዚፍርክሻን፡ከምኡ ድማ ኣዕጽምትና ኣብ ኣፍ መቓብር* ፋሕ ኢሉ ኣሎ።  8  ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣዒንተይ ናባኻ እየን ዚጥምታ።+ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ። ንህይወተይ ኣይተጥፍኣያ።*  9  ካብ ምንጋጋ እቲ ዘጻወዱለይ መጻወድያ፡ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይ ኣዕቍበኒ። 10  ኣነ ብደሓን ክሓልፍ ከለኹ፡እኩያት ብሓባር ናብ መርበቦም ኪወድቁ እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣይትኽዓዋ።”