መዝሙር 143:1-12
ናይ ዳዊት መዝሙር።
143 ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣+ናብ ልማኖይ ጽን በል።
ብተኣማንነትካን ብጽድቅኻን መልሰለይ።
2 ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ ዝዀነ ህያው የልቦን እሞ፡+ምስ ጊልያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
3 ጸላእስ ይሰጕጐኒ ኣሎ፣*ንህይወተይ ናብ ምድሪ ደርብዩ ሓምሺሽዋ ኣሎ።
ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ።
4 መንፈሰይ* ጠሊሙ፣+ልበይ ኣብ ውሽጠይ ደንዚዙ።+
5 ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፡ንዅሉ ተግባርካ አስተንትነሉ፡+ብዛዕባ ግብሪ ኣእዳውካ ድማ ብህንጥዮት ኣጸቢቐ እሓስብ* እየ።
6 ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣለኹ፣ኣነስ ከምታ ንዓኻ ዝጸምአት ምድሪ ኣጻምእ እየ።*+ (ሴላ)
7 ኦ የሆዋ፡ ብርታዐይ* ተወዲኡ እዩ እሞ፡+ቀልጢፍካ መልሰለይ።+
ገጽካ ኣይትኸውለለይ፣+እንተ ዘይኰነስ፡ ከምቶም ናብ ጕድጓድ* ዚወርዱ ክኸውን እየ።+
8 ብኣኻ እእመን* እየ እሞ፡ንግሆ ነቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣስምዓኒ።
ናባኻ እየ ዘብል እሞ፡*ዝኸደላ መገዲ ኣፍልጠኒ።+
9 ኦ የሆዋ፡ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ።
ዕቝባኻ እደሊ እየ።+
10 ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ፍቓድካ ኽገብር ምሃረኒ።+
መንፈስካ ጽቡቕ እዩ፣ብጥጡሕ ምድሪ* ይምርሓኒ።
11 ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ስምካ፡ ብህይወት ኣንብረኒ።
ብጽድቅኻ ኻብ ጭንቂ ኣናግፈኒ።*+
12 ኣነ ጊልያኻ እየ እሞ፡+በታ ብተኣማንነት እተርእያ ፍቕርኻ፡ ንጸላእተይ ወድኣዮም፣*+ንዅሎም እቶም ዜጨንቑኒ* ኣጥፍኣዮም።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ንነፍሰይ ይሰጕጓ ኣሎ።”
^ ወይ፡ “ሓይለይ።”
^ ወይ፡ “አጽንዕ።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ከምታ ንዓኻ ዝጸምአት ምድሪ ኣጻምእ እያ።”
^ ወይ፡ “መቓብር።”
^ ቃ.ቃ.፡ “መንፈሰይ።”
^ ወይ፡ “እውከል።”
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ናባኻ አልዕል እየ እሞ።”
^ ወይ፡ “ብምድሪ ቕንዕና።”
^ ወይ፡ “ንነፍሰይ ኣናግፋ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ኣብሎም።”
^ ወይ፡ “ንነፍሰይ ዜጨንቕዋ።”