መዝሙር 149:1-9
149 ንያህ ወድስዎ!*
ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፣+ኣብ ጉባኤ እሙናት ወድስዎ።+
2 እስራኤል በቲ ዓብዪ ገባሪኡ ይተሓጐስ፣+ደቂ ጽዮን ብንጉሶም ባህ ይበሎም።
3 ንስሙ ብሳዕስዒት ይወድስዎ፣+ብኸበሮን ብመሰንቆን* ከኣ ውዳሰ ይዘምሩሉ።*+
4 የሆዋስ ብህዝቡ ባህ ይብሎ እዩ።+
ንዓቃላት* ብድሕነት ይስልሞም እዩ።+
5 እሙናት ብኽብሪ ይፈስሁ፣ኣብ ዓራቶም እልል ይበሉ።+
6 ንኣምላኽ ዚውድስ መዝሙራት ኣብ ጐረሮኦም፡ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ኣብ ኢዶም ይኹን።
7 በዚ ድማ ንኣህዛብ ሕነ ይፈድዩ፣ንህዝብታት ከኣ ይቐጽዑ፣
8 ንነገስታቶም ብሰንሰለት፡ንልዑላኖም እውን ብመቝሕ ሓጺን ይኣስሩ፣
9 ነቲ እተጻሕፈሎም ፍርዲ እውን ይፍጽምዎ።+
እዚ ኽብሪ እዚ ናይ ኵሎም እሙናቱ እዩ።
ንያህ ወድስዎ!*
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።
^ ወይ፡ “ብኽራርን።”
^ ወይ፡ “የዚሙሉ።”
^ ወይ፡ “ንትሑታት።”
^ ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።