መዝሙር 19:1-14
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
19 ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግር፣+ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ ይእውጅ።+
2 መዓልቲ መዓልቲ ዘረባኦም ይወጽእ፣ለይቲ ለይቲ ድማ ፍልጠት ይገልጹ።
3 ዘረባ የልቦን፡ ቃላት ከኣ የልቦን፣ድምጾም እውን ኣይስማዕን።
4 ደሃዮም* ግና ናብ ኵላ ምድሪ፡መልእኽቶም ድማ ክሳብ ወሰናት ዓለም* ወጺኡ።+
ንሱ ንጸሓይ ኣብ ሰማያት ድንኳን ተኺሉላ፣
5 ንሳ ኸምቲ ኻብ ቤት ሕጽኖት ዚወጽእ መርዓዊ እያ፣መገዱ ኸም ዚጐዪ ጅግና ኸኣ ትሕጐስ።
6 ካብ ሓደ ወሰን ሰማያት ትወጽእ፡ናብቲ ኻልእ ወሰን ድማ ትዘውር፣+ካብ ዋዒኣ ዚኽወል ከኣ የልቦን።
7 ሕጊ የሆዋ ፍጹም እዩ፡+ ሓይሊ የሐድስ።*+
መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ፡+ ንዘይለበመ የጥብቦ።+
8 ስርዓታት የሆዋ ጻድቕ እዩ፡ ንልቢ የሐጕሶ።+
ትእዛዝ የሆዋ ጽሩይ እዩ፡ ንኣዒንቲ የብርሀን።+
9 ፍርሃት የሆዋ+ ንጹህ እዩ፡ ንዘለኣለም ይነብር።
ፍርድታት የሆዋ ሓቂ እዩ፡ ብምሉኡ ጻድቕ እዩ።+
10 ካብ ወርቂ፡ካብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ይብሃግ፣+ካብ መዓር፡ ካብቲ ኻብ ጎጎኡ ዜንጠብጥብ መዓር እኳ ይጥዕም።+
11 ጊልያኻ ብእኡ መጠንቀቕታ ይውሃቦ፣+ንዕኡ ምሕላው ከኣ ዓብዪ ዓስቢ ኣለዎ።+
12 ንጌጋታት መን ኬስተውዕሎ ይኽእል፧+
ካብቲ ዘይፈልጦ ሓጢኣት ኣንጽሃኒ።
13 ንጊልያኻ ድማ ካብ ድፍረት ሓልዎ፣+እዚ ኺመልከኒ እውን ኣይትሕደግ።+
ሽዑ፡ ምሉእ ክኸውን፡+ካብ ዕሉል ሓጢኣት* ከኣ ክነጽህ እየ።
14 ኦ የሆዋ፡ ከውሐይን+ ተበጃውየይን፡+ቃላት ኣፈይን ምስትንታን ልበይን ባህ ዜብለካ ይኹን።+