መዝሙር 2:1-12

  • የሆዋን ቅቡኡን

    • የሆዋ ንኣህዛብ ይስሕቆም (4)

    • የሆዋ ንጉሱ ይሸይም (6)

    • ንወዲ ኣኽብርዎ (12)

2  ስለምንታይ ኣህዛብ ተናዊጾም፡ህዝብታትሲ ኸንቱ ኣዕዘምዚሞም፧*+  2  ንየሆዋን ንቕቡኡን* ኪጻረሩስ፡+ነገስታት ምድሪ ቘይሞም፡ሰበ ስልጣን ከኣ ብሓደ ተኣኪቦም።*+  3  “መቓውሖም ንበጥስ፡ኣግማዶም ድማ ንደርብዮ” ይብሉ።  4  እቲ ኣብ ሰማያት ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ይስሕቕ፣የሆዋ የላግጸሎም።  5  ሽዑ፡ ብቝጥዓኡ ይዛረቦም፣ብዚነድድ ቍጥዓኡ ድማ የሸብሮም፣  6  “ኣነ ኣብ ጽዮን፡+ ኣብ ቅዱስ ከረነይ፡ንጉሰይ ሸይመ ኣለኹ” ይብል።+  7  ትእዛዝ የሆዋ እስከ ኽነግር፣ንሱ ኸምዚ ኢሉኒ፦ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣+ኣነ ሎሚ ወሊደካ።+  8  ሕተተኒ እሞ፡ ኣህዛብ ውርስኻ ገይረ፡ወሰናት ምድሪ ኸኣ ርስትኻ ገይረ ኽህበካ እየ።+  9  ብዘንጊ ሓጺን ክትሰብሮም፡+ከም ስርሓት ካይላ ድማ ክትሕምሽሾም ኢኻ።”+ 10  እምበኣርሲ፡ ኣቱም ነገስታት ልቦና ግበሩ፣ኣቱም ፈራዶ ምድሪ እውን፡ ተኣረሙ።* 11  ንየሆዋ ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ብራዕዲ ኸኣ ተሓጐሱ። 12  ቍጥዓኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፡ኣምላኽ* ከይቍጣዕ፡ ካብ መገዲ ድማ ከይትጠፍኡስ፡+ንወዲ ኣኽብርዎ።*+ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ሕጉሳት እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣስተንቲኖም።”
ወይ፡ “ንክርስቶሱን።”
ወይ፡ “ብሓባር ተማኺሮም።”
ወይ፡ “ተጠንቀቑ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስዓምዎ።”