መዝሙር 23:1-6

  • “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”

    • “ዚጐድለኒ የብለይን” (1)

    • “የሐድሰኒ” (3)

    • “ጽዋአይ ኣጸቢቓ ዝመልአት እያ” (5)

ናይ ዳዊት መዝሙር። 23  የሆዋ ጓሳይየይ እዩ።+ ዚጐድለኒ የብለይን።+  2  ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ በጥ የብለኒ፣ማይ ናብ ዝመልኦ መዕረፊ* ይመርሓኒ።+  3  የሐድሰኒ።*+ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገድታት* ጽድቂ ይመርሓኒ።+  4  ንስኻ ምሳይ ኢኻ፡+በትርኻን ምርኩስካን ከኣ የጸናንዓኒ እዩ እሞ፡ብርቱዕ ጽላሎት ብዘለዎ ስንጭሮ እኳ እንተ ኸድኩ፡+ከይጕዳእ ኣይፈርህን እየ።+  5  ንስኻ ኣብ ቅድሚ ጸላእተይ መኣዲ ተዳልወለይ።+ ንርእሰይ ብዘይቲ ተረስርሶ፣*+ጽዋአይ ኣጸቢቓ ዝመልአት እያ።+  6  ሕያውነትን* ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ብርግጽ ኣብ ኵሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣+ኣነ ድማ ኣብ ቤት የሆዋ ምሉእ ዕድመይ ክቕመጥ እየ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ናብ ህዱእ ማያት” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንነፍሰይ የሐድሳ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብኣሰር።”
ወይ፡ “ዘይቲ ትለኽዮ።”
ወይ፡ “ሰናይን።”