መዝሙር 24:1-10
-
እቲ ኽቡር ንጉስ ብኣፍ ደገታት ይኣቱ
-
‘ምድሪ ናይ የሆዋ እያ’ (1)
-
ናይ ዳዊት። መዝሙር።
24 ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉንእታ ፍርያም ምድርን ኣብኣ ዚቕመጡ ዅሎምን ናይ የሆዋ እዮም።+
2 ከመይሲ፡ ንሱ ኣብ ባሕርታት ሰሪትዋ፡+ኣብ ኣፍላግ ከኣ ኣጽኒዕዋ እዩ።
3 ናብ ከረን የሆዋ ዚድይብ መን እዩ፧+
ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምከ መን እዩ፧
4 ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡን፡+ብህይወተይ* ናይ ሓሶት ማሕላ ዘይመሓለ፡ብምትላል ድማ ዘይመሓለ።+
5 ንሱ ኻብ የሆዋ በረኸት፡+ካብ ናይ ድሕነት ኣምላኹ ኸኣ ጽድቂ* ኪቕበል እዩ።+
6 እዚኣቶም እቶም ዚደልይዎ ወለዶ፡ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፡ እቶም ገጽካ ዚደልዩ እዮም። (ሴላ)
7 ኣቱም ኣፍ ደገታት፡ ርእስኹም ኣልዕሉ፣+እቲ ኽቡር ንጉስ ኪኣቱስ፡+ኣቱም ናይ ጥንቲ መእተዊታት፡ ተኸፈቱ!*
8 እቲ ኽቡር ንጉስከ መን እዩ፧
እቲ ብርቱዕን ሓያልን የሆዋ፡+እቲ ኣብ ውግእ ብርቱዕ የሆዋ።+
9 ኣቱም ኣፍ ደገታት፡ ርእስኹም ኣልዕሉ፣+እቲ ኽቡር ንጉስ ኪኣቱስ፡ኣቱም ናይ ጥንቲ መእተዊታት፡ ተኸፈቱ!
10 እቲ ኽቡር ንጉስከ መን እዩ፧
የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡—እቲ ኽቡር ንጉስ ንሱ እዩ።+ (ሴላ)