መዝሙር 25:1-22

  • መምርሕን ይቕረታን ንምርካብ እተጸለየ ጸሎት

    • “መገድታትካ ምሃርኒ” (4)

    • ‘ምስ የሆዋ ዚህሉ ናይ ቀረባ ዕርክነት’ (14)

    • ‘ኵሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ’ (18)

ናይ ዳዊት። א  [ኣሌፍ] 25  ኦ የሆዋ፡ ናባኻ እየ ዘብል።* ב  [ቤት]  2  ኦ ኣምላኸይ፡ ብኣኻ እእመን* እየ፣+ኣይተሕፍረኒ።+ ጸላእተይ ብኣይ ኣይተሓጐሱ።+ ג  [ጊሜል]  3  ብኣኻ ተስፋ ዚገብሩስ ብርግጽ ኣይሓፍሩን እዮም፣+እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሓፍሩ እዮም።+ ד [ዳሌጥ]  4  ኦ የሆዋ፡ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣+መገድታትካ ምሃረኒ።+ ה  []  5  ንስኻ ኣምላኽ ድሕነተይ ኢኻ እሞ፡ብሓቅኻ ኣመላልሰንን ምሃረንን።+ ו  [ዋው] ምሉእ መዓልቲ ብኣኻ ተስፋ እገብር ኣለኹ። ז  [ዛይን]  6  ኦ የሆዋ፡ ነተን ወትሩ እተርእየን*+ምሕረትካን ብተኣማንነት እትገብራ ፍቕርኻን ዘክረን።+ ח  [ሔት]  7  ሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክር። ኦ የሆዋ፡ ስለ ሕያውነትካ* ኢልካ፡+በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ዘክረኒ።+ ט  [ጤት]  8  የሆዋ ሕያዋይን* ቅኑዕን እዩ።+ ስለዚ እዩ ንሓጥኣን ዚነብሩሉ መገዲ ዚምህሮም።+ י  [ዮድ]  9  ንዓቃላት* ብቕኑዕ* ኪመርሖም፡+ንዓቃላት ከኣ መገዱ ኺምህሮም እዩ።+ כ  [ካፍ] 10  ነቶም ኪዳኑን+ መዘኻኸሪታቱን+ ዚሕልዉስ፡ኵለን መገድታት የሆዋ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕርን ተኣማንነትን እየን። ל  [ላሜድ] 11  ኦ የሆዋ፡ ስሕተተይ ዓብዪ እኳ እንተ ዀነ፡ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ።+ מ [ሜም] 12  ንየሆዋ ዚፈርሆ ሰብ መን እዩ፧+ ንዕኡ እታ ዚሓርያ መገዲ ኺምህሮ እዩ።+ נ [ኑን] 13  ንሱ* ጽቡቕ ይረክብ፣+ዘርኡ እውን ንምድሪ ይርስተያ።+ ס [ሳሜኽ] 14  የሆዋ ምስቶም ዚፈርህዎ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኣለዎ፣+ንሱ ድማ ኪዳኑ የፍልጦም።+ ע  [ዓይን] 15  ንኣእጋረይ ካብ መርበብ ኬውጽአን እዩ እሞ፡+ኣዒንተይ ወትሩ ናብ የሆዋ እየን።+ פ  [] 16  ኣነ በይነይን ረዳኢ ኣልቦን እየ እሞ፡ገጽካ ናባይ ምለስ፡ ሞገስካ ኸኣ ኣርእየኒ። צ [ጻዴ] 17  ጭንቂ ልበይ በዚሑ ኣሎ፣+ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ። ר  [ሬሽ] 18  ጸበባይን ሽግረይን ርአ፣+ኵሉ ሓጢኣተይ ከኣ ሕደገለይ።+ 19  ጸላእተይ ክንደይ ከም ዝበዝሑ፡ጽልኦም ድማ ክሳዕ ክንደይ ዓማጺ ምዃኑ ርአ። ש  [ሺን] 20  ንህይወተይ* ሓልዋ፡ ኣድሕነኒ እውን።+ ኣባኻ እምዕቈብ ኣለኹ እሞ፡ ኣይተሕፍረኒ። ת  [ታው] 21  ተስፋይ ኣባኻ እዩ እሞ፡+ንጽህናን ቅንዕናን ይሓልዋኒ።+ 22  ኦ ኣምላኽ፡ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ጭንቁ ኣናግፎ።*

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሰይ ዘልዕል።”
ወይ፡ “እውከል።”
ወይ፡ “ካብ ጥንቲ ዝዀና።”
ወይ፡ “ሰናይካ።”
ወይ፡ “ሰናይን።”
ቃ.ቃ.፡ “ብፍርዲ።”
ወይ፡ “ንትሑታት።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ተበጀዎ።”