መዝሙር 29:1-11

  • ሓያል ድምጺ የሆዋ

    • ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት ኣምልኹ (2)

    • “እቲ ኽቡር ኣምላኽ ኣንጐድጒዱ” (3)

    • የሆዋ ንህዝቡ የበርትዖ (11)

ናይ ዳዊት መዝሙር። 29  ኣቱም ደቂ ሓያላት፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ፣ስለቲ ኽብሩን ብርታዐኡን ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ።+  2  ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ። ንየሆዋ ብቕዱስ ስሉም ኣልባሳት* ስገዱሉ።*  3  ድምጺ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ማያት ተሰሚዑ፣እቲ ኽቡር ኣምላኽ ኣንጐድጒዱ።+ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።+  4  ድምጺ የሆዋ ሓያል እዩ፣+ድምጺ የሆዋ ግሩም እዩ።  5  ድምጺ የሆዋ ንቄድሮሳት ይሰብሮ ኣሎ፣እወ፡ የሆዋ ንቄድሮሳት ሊባኖስ ይሰባብሮ።+  6  ንሊባኖስ* ከም ምራኽ፡ንሲርዮን+ ከኣ ከም ጣዕዋ ጐባይ የሰራስሮም።  7  ድምጺ የሆዋ ብሃልሃልታ ሓዊ ይወቅዕ።+  8  ድምጺ የሆዋ ንበረኻ የንቀጥቅጦ፣+የሆዋ ንበረኻ ቃዴስ+ የንቀጥቅጦ።  9  ድምጺ የሆዋ ንእራብ የንቀጥቅጣን የውልዳን፣ንዱር ከኣ ቃልዕ ይገብሮ።+ ኣብ መቕደሱ ዘሎ ዅሉ እውን፡ “ክብሪ!” ይብል። 10  የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዜዕለቕልቕ ማያት* ኣብ ዝፋን ይቕመጥ፣+የሆዋ ንዘለኣለም ነጊሱ ኣብ ዝፋን ይቕመጥ።+ 11  የሆዋ ንህዝቡ ብርታዐ ኺህቦ እዩ።+ የሆዋ ንህዝቡ ብሰላም ኪባርኾ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ስለቲ ግርማ ቕድስናኡ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣምልኽዎ።”
ንሰንሰለት ኣኽራን ሊባኖስ ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ሰማያዊ ውቅያኖስ።”