መዝሙር 31:1-24
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
31 ኦ የሆዋ፡ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ።+
ከቶ ኣይተሕፍረኒ።+
ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ።+
2 እዝንኻ ናባይ ኣድንን።*
ከተናግፈኒ ቐልጢፍካ ምጻእ።+
ዕርዲ ኸረን፡እወ፡ ዕርዲ ድሕነተይ ኩነኒ።+
3 ንስኻስ ከውሐይን ዕርደይን ኢኻ፣+ስለ ስምካ ኢልካ+ ኽትመርሓንን ክትኣልየንን ኢኻ።+
4 ንስኻ ዕርደይ ኢኻ እሞ፡+ካብቲ ብሕቡእ ዘጻወዱለይ መርበብ ኣውጽኣኒ።+
5 መንፈሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍብ ኣለኹ።+
ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽ ሓቂ፡* ተበጂኻኒ ኢኻ።+
6 ነቶም ንዘይጠቕሙ ኸንቱ ጣኦታት እተወፈዩ እጸልኦም እየ፣ኣነ ግና ብየሆዋ እየ ዝእመን።*
7 ጸበባይ ርኢኻ፡ብርቱዕ ጭንቀይ* ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡+ብተኣማንነት ብእተርእየኒ ፍቕሪ ኣዝየ ኽሕጐስ እየ።
8 ናብ ኢድ ጸላኢ ኣሕሊፍካ ኣይሃብካንን፣የግዳስ፡ ኣብ ውሑስ ቦታ* ደው ኣቢልካኒ።
9 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ጭንቂ እየ ዘለኹ እሞ፡ ሞገስ ኣርእየኒ።
ጓሂ ንኣዒንተይ ኰነ ንብዘሎ ሰብነተይ* ኣድኪምዎ።+
10 ህይወተይ ብጓሂ፡+ዓመታተይ ከኣ ብእህህታ ተወዲኡ።+
ብሰሪ ስሕተተይ ሓይለይ ማህሚኑ፣ኣዕጽምተይ ድማ ደኺሙ።+
11 ኵሎም ተጻረርተይ፡ምናዳ ኸኣ ጐረባብተይ ኣስተናዒቖምኒ።+
ፈለጥተይ ብኣይ ርዒዶም፣ኣብ ግዳም ምስ ዚርእዩኒ፡ ካባይ ይሃድሙ ኣለዉ።+
12 ከም ዝሞትኩስ፡ ካብ ልቦም* ኣውጺኦምንን ተረሲዐን፣ከም ስቡር ሳርማ ዀይነ።
13 ብዙሕ ክፉእ ወረ ሰሚዐ፣ሽበራ ይኸብበኒ ኣሎ።+
ከም ሓደ ዀይኖም ኣንጻረይ ኪእከቡ ኸለዉ፡ንህይወተይ* ኪወስድዋ ይተናዀሉ።+
14 ኣነ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ብኣኻ እእመን* እየ።+
“ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ” እብል እየ።+
15 መዓልትታተይ* ኣብ ኢድካ እየን።
ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ።+
16 ገጽካ ኣብ ልዕሊ ጊልያኻ ኣብርሃዮ።+
ብተኣማንነት ብእተርእዮ ፍቕርኻ ኣድሕነኒ።
17 ኦ የሆዋ፡ ምስ ጸዋዕኩኻ፡ ኣይተሕፍረኒ።+
እኩያት ደኣ ይሕፈሩ፣+ኣብ መቓብር* እውን ስቕ ይበሉ።+
18 እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ብንዕቀትን ተመኪሐን ዚዛረባኦሓሰውቲ ኸናፍር ዓባሳት ይኹና።+
19 እቲ ንዚፈርሁኻ ዝዓቘርካሎም፡+ምእንቲ እቶም ኣባኻ ዚምዕቈቡ ኢልካ ድማ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሰባት ዘርኣኻዮ+ሕያውነትካ* ኽሳዕ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ!+
20 ካብ ተንኰል ሰብ፡ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ስቱር ቦታ ትኽውሎም፣+ካብ እኩይ መጥቃዕቲ፡*ኣብ መጽለሊኻ ትሓብኦም።+
21 ኣብ እተኸብበት ከተማ+ ብዜደንቕ መገዲ ብተኣማንነት ፍቕሩ ኣርእዩኒ እዩ እሞ፡+የሆዋ ይወደስ።
22 ኣነስ ሰምቢደ፡“ካብ ቅድሜኻ ኽጠፍእ እየ” ኢለ ነይረ።+
ናባኻ ምስ ኣእወኹ ግና፡ ንስኻ ልማኖይ ሰሚዕካ።+
23 ኣቱም እሙናቱ ዅልኹም፡ ንየሆዋ ኣፍቅርዎ!+
የሆዋ ንእሙናት የዕቍቦም፡+ንዚዕበ ዘበለ ግና ኣብዚሑ ይፈድዮ።+
24 ኣቱም ንየሆዋ እትጽበይዎ ዅልኹም፡+ትብዑ፡ ልብኹም እውን ይበርትዕ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ድንን ኢልካ ስምዓኒ።”
^ ወይ፡ “ኣታ እሙን ኣምላኽ።”
^ ወይ፡ “ዝውከል።”
^ ወይ፡ “ጭንቂ ነፍሰይ።”
^ ወይ፡ “ርሒብ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሰይን ንኸብደይን።”
^ ወይ፡ “ኣእምሮኦም።”
^ ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
^ ወይ፡ “እውከል።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ግዜያተይ።”
^ ወይ፡ “ሰናይካ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ካብ ቈየቛ ልሳናት።”