መዝሙር 32:1-11

  • ይቕረታ እተገብረሎም ሕጉሳት እዮም

    • “ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ” (5)

    • ኣምላኽ ልቦና ይህበካ (8)

ናይ ዳዊት። መስኪል።* 32  ኣበሳኡ እተሓድገሉ፡ ሓጢኣቱ እተኸድነሉ* ሕጉስ እዩ።+  2  የሆዋ በደሉ ዘይጽብጽበሉ፡+ኣብ መንፈሱ ተንኰል ዘይብሉ ሰብ ሕጉስ እዩ።  3  ስቕ ኢለ ኸለኹ፡ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ማህሚኑ።+  4  መዓልትን ለይትንሲ ኢድካ ኸቢዳትኒ።*+ ከምቲ ሃሩር ሓጋይ ንማይ ዜህፍፎ፡ ብርታዐይ ከምኡ ሃፊፉ።* (ሴላ)  5  ኣብ መወዳእታ፡ ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ፣ስሕተተይ ድማ ኣይከወልኩን።+ “ኣበሳይ ንየሆዋ ኽናዘዝ እየ” ኢለ።+ ንስኻ እውን ስሕተት ሓጢኣተይ ሓዲግካለይ።+ (ሴላ)  6  ስለዚ እዩ ገና እናተረኸብካ ኸለኻ፡+ኵሉ እሙን ናባኻ ዚጽሊ።+ ሽዑ፡ ዜዕለቕልቕ ማይ እኳ ኣይኪበጽሖን እዩ።  7  ንስኻ መሕብእየይ ኢኻ፣ካብ ጭንቂ ኽትሕልወኒ ኢኻ።+ ብእልልታ ድሕነት ክትከብበኒ ኢኻ።+ (ሴላ)  8  “ልቦና ኽህበካ፡ እታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ኽምህረካ እየ።+ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ገይረ ኽመኽረካ እየ።+  9  ከምቲ ናባኻ ቕድሚ ምምጻኡከይፋንን ተባሂሉ ብልጓም ወይ ብልባብ ዚግራሕኣእምሮ ዘይብሉ ፈረስ ወይ በቕሊ ኣይትኹኑ።”+ 10  ስቓይ እኩይ ብዙሕ እዩ፣እቲ ብየሆዋ ዚእመን* ግና በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ይኽበብ።+ 11  ኣቱም ጻድቃን፡ ብየሆዋ ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም፣ኣቱም ቅኑዕ ዝልቦም ኵልኹም፡ እልል በሉ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ይቕረ እተባህለሉ።”
ወይ፡ “ጓሂኻ ኸቢዱኒ።”
ወይ፡ “ጠሊ ህይወተይ ተቐዪሩ።”
ወይ፡ “ዚውከል።”