መዝሙር 34:1-22
ናይ ዳዊት፣ ኣብ ቅድሚ ኣቢሜሌክ ኣእምሮ ዘይብሉ ምስ መሰለ እሞ፡+ ተሰጒጉ ምስ ከደ።
א [ኣሌፍ]
34 ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኽውድሶ እየ፣ውዳሰኡ ወትሩ ኣብ ከናፍረይ ኪኸውን እዩ።
ב [ቤት]
2 ብየሆዋ ኽምካሕ እየ፣*+ዓቃላት* ኪሰምዑን ኪሕጐሱን እዮም።
ג [ጊሜል]
3 ንየሆዋ ምሳይ ኣዕብይዎ፣+ንስሙ ሓቢርና ልዕል ነብሎ።
ד [ዳሌጥ]
4 ንየሆዋ ሓቲተዮ፣ ንሱ እውን መሊሱለይ።+
ካብ ኵሉ ፍርሀይ ኣናጊፉኒ።+
ה [ሄ]
5 እቶም ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ገጾም እውን ከቶ ኣይሓፍርን።
ז [ዛይን]
6 እዚ ትሑት እዚ ጸዊዑ፡ የሆዋ ድማ ሰሚዕዎ።
ካብ ኵሉ ጭንቁ ኸኣ ኣድሒንዎ።+
ח [ሔት]
7 መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፡+የናግፎም እውን።+
ט [ጤት]
8 የሆዋ ሕያዋይ* ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን፣+ኣብኡ ዚምዕቈብ ሰብ ሕጉስ እዩ።
י [ዮድ]
9 እቶም ዚፈርህዎ ገለ እኳ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፡+ኣቱም ቅዱሳቱ ዅልኹም፡ ንየሆዋ ፍርህዎ።
כ [ካፍ]
10 ሽደናት ኣናብስ እኳ ስኢኖም ይጠምዩ፣እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን።+
ל [ላሜድ]
11 ደቀየ፡ ንዑ ስምዑኒ፣ፍርሃት የሆዋ ድማ ክምህረኩም እየ።+
מ [ሜም]
12 ካባኻትኩምሲ ብህይወት ባህ ዚብሎ፡ጽቡቕ መዓልትታት እውን ኪርኢ ዚፈቱ ሰብ መን እዩ፧+
נ [ኑን]
13 እምበኣር፡ ልሳንካ ኻብ ክፉእ፡+ከናፍርካ ኸኣ ምትላል ካብ ምዝራብ ሓሉ።+
ס [ሳሜኽ]
14 ካብ ክፉእ ርሓቕ፡ ሰናይ ድማ ግበር፣+ንሰላም ድለያ፡ ስዓባ እውን።+
ע [ዓይን]
15 ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን፡+ኣእዛኑ ኸኣ ንኣውያቶም ይሰምዓ እየን።+
פ [ፌ]
16 ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኺድምስሶ ግና፡ገጽ የሆዋ ኣንጻር እቶም ክፉእ ዚገብሩ እዩ።+
צ [ጻዴ]
17 እቲኣቶም ኣእውዮም፡ የሆዋ ድማ ሰሚዕዎም፣+ካብ ኵሉ ጭንቆም እውን ኣናጊፍዎም።+
ק [ቆፍ]
18 የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣+ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ* ኸኣ የድሕኖም።+
ר [ሬሽ]
19 ሽግር* ጻድቕ ብዙሕ እዩ፣+የሆዋ ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።+
ש [ሺን]
20 ንዅለን ኣዕጽምቱ ይሕልወን፣ሓንቲ እኳ ኣይተሰብረትን።+
ת [ታው]
21 መዓት ንእኩይ ይቐትሎ፣ንጻድቕ ዚጸልኡ ድማ ኪዅነኑ እዮም።
22 የሆዋ ንህይወት* ገላዉኡ ይብጀዋ፣ካብቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ሓደ እኳ ኣይኪዅነንን እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ነፍሰይ ብየሆዋ ኽትምካሕ እያ።”
^ ወይ፡ “ትሑታት።”
^ ወይ፡ “ሰናይ።”
^ ወይ፡ “ተስፋ ዝቘረጹ።”
^ ወይ፡ “መዓት።”
^ ወይ፡ “ንነፍሲ።”