መዝሙር 49:1-20
ንኣላዪ። ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መዝሙር።
49 ኣቱም ህዝቢ ዅልኹም፡ እዚ ስምዑ።
ኣቱም ነበርቲ ዓለም* ኵልኹም፡ ጽን በሉ፣
2 እወ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን፡*ሃብታማትን ድኻታትን ብሓባር ጽን በሉ።
3 ኣፈይ ጥበብ ክትዛረብ፡ምስትንታን ልበይ+ ከኣ ምስትውዓል ኬውስእ እዩ።
4 ናብ ምስላታት ከቕልብ፡ሕንቅሕንቅሊተየይ ብመሰንቆ* ኽገልጽ እየ።
5 ብእከይ* እቶም ኪግልብጡኒ ዚደልዩ ተኸቢበ ኸለኹ፡ብግዜ ሽግር ስለምንታይ እየ ዝፈርህ፧+
6 እቶም ብጥሪቶም ዚእመኑ፡+ብብዝሒ ሃብቶም ድማ ዚምክሑ፡+
7 ዋላ ሓዲኦም ንሓዉ ኺብጀዎ፡ወይ በጃ ንኣምላኽ ኪህበሉ ዚኽእል የልቦን፣+
8 (ዋጋ በጃ ህይወቶምሲ* ኣዝዩ ኽቡር ብምዃኑ፡ወትሩ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ)፣
9 ንዘለኣለም ኪነብር፡ ጕድጓድ* እውን ከይርእስ፡ እዚ ኺገብረሉ ዚኽእል የልቦን።+
10 ንሱስ ጥበበኛታት እኳ ኸም ዚሞቱ፡ዓሻን ዘይሓስብን ብሓባር ከም ዚጠፍኡ፡+ጥሪቶም ድማ ንኻልኦት ከም ዚሓድጉሎም ይርኢ።+
11 ኣባይቶም ንዘለኣለም፡ድንኳናቶም ንውሉድ ወለዶ ኺነብር ብውሽጦም ይምነዩ።
ንምድሮም በብስሞም ሰምዮምዎ ኣለዉ።
12 ሰብ ግና ዋላ እኳ ዚኽበር እንተ ዀነ ኣይነብርን እዩ፣+ካብ ዚጠፍኡ እንስሳታት ኣይሓይሽን እዩ።+
13 እዚኣ መገዲ ዓያሹን+መገዲ እቶም በቲ ባዶ ቓላቶም ባህ ኢልዎም ዚስዕብዎምን እያ። (ሴላ)
14 ከም ኣባጊዕ ናብ መቓብር* ተመዲቦም እዮም።
ሞት ኪጓስዮም እዩ፣ንግሆ፡ ቅኑዓት ኪገዝእዎም እዮም።+
ኵሉ ኣሰሮም ኪጠፍእ እዩ፣+ኣብ ክንዲ ምዕሩግ ቤት ድማ፡ መቓብር*+ ቤቶም ኪኸውን እዩ።+
15 ግናኸ፡ ኣምላኽ ኪሕዘኒ እዩ እሞ፡ካብ ኢድ መቓብር* ኪብጀወኒ* እዩ።+ (ሴላ)
16 ሰብ ስለ ዝሃብተመ፡ግርማ ቤቱ ድማ ስለ ዝወሰኸ፡ ኣይትፍራህ፣
17 ምስ ሞተስ፡ ገለ እኳ ኺማላእ ኣይክእልን እዩ፣+ግርማኡ ምስኡ ኣይወርድን እዩ።+
18 ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንርእሱ፡* ‘እንቋዕ ሓጐሰኪ’ ይብላ።+
(ሰባትሲ ምስ በልጸግካ ይውድሱኻ እዮም።)+
19 ኣብ መወዳእታ ግና፡ ምስ ወለዶ ኣቦታቱ ይጽምበር።
ንሳቶምሲ ብርሃን ከቶ ኣይርእዩን እዮም።
20 እቲ ነዚ ዘይርድኦ ሰብ፡ ዋላ እኳ ዚኽበር እንተ ዀነ፡+ካብ ዚጠፍኡ እንስሳታት ኣይሓይሽን እዩ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “እቲ ስርዓት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ደቂ ኣዳምን ደቂ ሰብን።”
^ ወይ፡ “ብኽራር።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብስሕተት።”
^ ወይ፡ “ነፍሶምሲ።”
^ ወይ፡ “መቓብር።”
^ ወይ፡ “ንነፍሰይ ኪብጀዋ።”
^ ወይ፡ “ንነፍሱ።”