መዝሙር 50:1-23
ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+
50 የሆዋ ኣምላኽ ኣማልኽቲ*+ ተዛሪቡ፣ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ*ንምድሪ ጸዊዕዋ።
2 ካብ ጽዮን፡ እታ ፍጽምና ጽባቐ፡+ ኣምላኽ ኣብሪሁ።
3 ኣምላኽና ይመጽእ፡ ስቕ ድማ ኣይብልን እዩ።+
ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣+ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ብርቱዕ ህቦብላ ይኸውን።+
4 ንህዝቡ ምእንቲ ኺዳኒ፡+ንናይ ላዕሊ ሰማያትን ንምድርን ይጽውዖም፣+
5 “ናብቶም ብመስዋእቲ ገይሮም ምሳይ ኪዳን ዚኣትዉእሙናተይ ተኣከቡ” ይብሎም።+
6 ኣምላኽ ፈራዲ እዩ እሞ፡+ሰማያት ጽድቁ ይእውጁ። (ሴላ)
7 “ኣታ ህዝበይ፡ ስማዕ፡ ክዛረብ እየ፣ኣታ እስራኤል፡ ኣንጻርካ ኽምስክር እየ።+
ኣነ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ እየ።+
8 ኣነ ዝገንሓካስ ብምኽንያት መስዋእትኻ፡ብምኽንያት እቲ ወትሩ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኻ ኣይኰነን።+
9 ካብ ቤትካ ዝራብዕ፡ካብ ደምበኻ ኸኣ ድቤላታት ክወስድ ኣየድልየንን እዩ።+
10 ከመይሲ፡ ኵሎም እንስሳ ዱር፡ኣብ ሽሕ ኣኽራን ዘለዉ እንስሳታት እውን ናተይ እዮም።+
11 ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን እየ፣+ቍጽሪ ዘይብሎም እንስሳታት መሮር ድማ ናተይ እዮም።
12 ፍርያም ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናተይ እዩ እሞ፡+እንተ ዝጠሚ፡ ኣይምነገርኩኻን።
13 ስጋ ኣብዑርዶ እበልዕ እየ፧
ደም ድቤላታትዶኸ እሰቲ እየ፧+
14 ንኣምላኽ ምስጋና ሰውኣሉ፣+መብጽዓኻ ድማ ነቲ ልዑል ሃቦ።+
15 ብግዜ ጭንቂ ጸውዓኒ።+
ኣነ ኸናግፈካ እየ፡ ንስኻ እውን ከተኽብረኒ ኢኻ።”+
16 ግናኸ፡ ኣምላኽ ንእኩይ ከምዚ ይብሎ፦
“ስርዓታተይ እትጽብጽብ፡+ወይ ብዛዕባ ኺዳነይ እትዛረብሲ እንታይ መሰል ኣሎካ፧+
17 ንስኻስ ተግሳጸይ* ትጸልእ፡ንቓላተይ ድማ ዝባንካ ትህቦ ኢኻ።*+
18 ሰራቒ ምስ ረኣኻ፡ ትሰምሮ፣*+ምስ ዘመውቲ ኸኣ ትሓብር።
19 ንኣፍካ ሕማቕ ንምስፍሕፋሕ ትጥቀመሉ፣ምትላል ድማ ምስ ልሳንካ ለጊቡ ኣሎ።+
20 ተቐሚጥካ ኣንጻር ሓውካ ትዛረብ፣+ጕድለት ወዲ ኣዴኻ ኸኣ ትቐልዕ።*
21 እዚ ምስ ገበርካ፡ ኣነ ስቕ ኢለ፣ስለዚ፡ ከማኻ ዝኸውን መሲሉካ።
ሕጂ ግና ክገንሓካ፡ምሳኻ ዘሎኒ ነገር ድማ ከቕርበልካ እየ።+
22 ዜናግፈኩም ዘይብልኩም ኣነ ኸይሰላልዓኩምሲ፡ኣቱም ንኣምላኽ እትርስዕዎ፡ በጃኹም ነዚ ሕሰቡሉ።+
23 እቲ ምስጋና ዚስውእ የኽብረኒ፣+ነቲ ውሱን መገዲ ዚስዕብ ከኣ፡ድሕነት ኣምላኽ ከርእዮ እየ።”+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “እቲ መለኮት፡ የሆዋ ኣምላኽ።”
^ ወይ፡ “ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንቓላተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ትድርብዮ ኢኻ።”
^ ወይ፡ “ትምህርተይ።”
^ ወይ፡ “ትሓብሮ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ንወዲ ኣዴኻ ኸኣ ተጸልሞ።”